ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ናይ ብሓቂ 350 ሚልዮን ፈልስታት ተኺላ ድያ?

ጊንስ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ " ብዛዕባ እዞም ተተኺሎም ዝተብሃሉ ፈልስታት ዝበጽሓኒ ሓበሬታ የለን" ይብል Image copyright Getty Images

ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣቢሉ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 350 ሚልዮን ፈልሲ ገረብ ተኺለ ክትብል ሓቢራ።

እዚ ግን ክሳብ ክንደይ እዩ ሓቅነት ዘለዎ? ቢቢሲ 'ሪያሊቲ ቸክ' ንኹሉ ፈታትሹ ዝረኸቦ ሓበሬታ እንሆ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ዕቃበ ኣግራብ ንምውሓስ 1.1 ቢልዮን ፓውንድ ዝተሰለዖ ኣግራብ ንምትካል መደብ ተሊሙ ዝተበገሰሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኮነን።

ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ቅድሚ 20 ክፍለ ዘመን 35 ሚእታዊት ካብ መሬት ኢትዮጵያ ብጫካ ተሸፊኑ ዝነበረ ሕጂ ናብ 4 ሚእታዊት ከምዝጎደለ'ዩ ዘረድእ።

እዚ ኣብ 29 ሓምለ 2019 ዝተኻደ ወፈራ ምትካል ፈልሲ፡ ኣብ ወሽጢ 12 ሰዓታት 200 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል መደብ ተሊሙ'ዩ ተበጊሱ። ሚኒስተር ምህዞን ተኬኖሎጅን ዶክተር ጌታሁን መኵርያ ከኣ እታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ 350 ሚልዮን ፈልስታት ከምዝተኸለት ሓቢሩ።

መንግስቲ እቲ ፈልስታት ካብ ቅድሚ ሳልስቲ ኣትሒዙ ናብ ወለንተኛታት ክዕደል ከምዘጀመረ'ዩ ዝሕብር።

ኣብ መዓልቲ ምትካል ፈልሲ ከኣ፡ ዝበዝሐ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ተዓጽዩ ሰራሕተኛታት ኣብ ምትካል ፈልሲ ከም ዝውዕሉ ተገይሩ።

ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሓድነት ኣፍሪቃን'ውን ብወለንተኦም ኣብዚ ምትካል ፈልሲ ተሳቲፎም።

እቶም ዝበዝሑ ፈልስታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈለሱ ኮይኖም፡ ከም ኣቮካዶ ዝኣመሰሉ ፍረ ዘፍርዩ ኣግራብ ከም ዝተተኸሉ'ውን ተሓቢሩ።

ነቶም ዝትከሉ ዝነበሩ ፈልስታት ዝቖጽሩ ወለንታውያን ሰባት ከም ዝተመደቡ'ውን ኣብቲ መዓልቲ ተሓቢሩ።

ከም ሕቶ ክልዓል ዝኽእል ከኣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድዚ ዝኣክል ፈልሲ ክትከል ይከኣል ድዩ ዝብል እዩ።

ክኢላታት ፈልሲ፡ 'ምኽኣልሲ ይክኣል'ዩ፡ እንተኾነ ዓቢ ምድላዋት የድልዮ'ዩ' እዮም ዝብሉ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ኪሊማዊ ለውጢ ዝኾነ ቲም ክሪስቶፈርሰን፡ "ብርግጽ ክትከል ይከኣል እዩ፡ እንተኾነ ኣዚዩ ጽፉፍን ብርቱዕን ምድላዋት ይሓትት" ይብል።

ንኤኤፍፒ ቃሉ ዝሃበ ቲም ክሪስቶፈርሰን፡ ሓደ ወለንተኛ ኣብ መዓልቲ 100 ፈልሲ ገረብ ክተክል ከም ዝኽእል ይሕብር።

Image copyright PMEthiopia

ኣብቲ መዓልቲ ምትካል ፈልሲ፡ ልዕሊ 23 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሳተፉ፡ ኣዋሃሃዲ ፕሮግራም ሃብቲ ገረብ ዶክተር ተፈራ መንግስቱ ይገልጽ።

ስለዚ እዞም 23 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ መዓልቲ ነብሲ ወከፎም 100 ፈልሲ ገረብ እንተተኺሎም፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 350 ሚልዮን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየተሓታትን'ዩ።

እንተኾነ፡ ነብሲ ወከፈ ሰብ ክንደይ ፈልሲ ከም ዝተኸለ ዝተፈለጠ ወግዓዊ ነገር የለን።

350 ሚልዮን ኣግራብ ንምትካል፡ ብውሕዱ 346 ሽሕን 648 ሄክራት መሬት የድሊ፡ እንተኾነ ነዚ ተተኺሉ ዝብሃል ዘሎ ኣግራብ ንምትካል ክንደይ ሄክታር ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለ'ውን ኣይተፈልጠን።

ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ቤት ጽሕፈቶም 10 ሽሕ ፈልሲ ክተኽሉ ወጻኢታት'ውን ባዕሎም ክሽፍንዎ ከም ዝተኣዘዙ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እንተኾነ ሕጽረት ናይ ባጀት ስለዘጋጠሞም 5000 ፈልሲ ጥራይ ከም ዝተኸሉ ገሊጹ።

ብተወሳኺ 5000 ተኺሎም ክንሶም፡ 10000 ኢሎም ከም ዘመዝገቡ'ውን እዚ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሰራሕተኛ ይሕብር።

ሓሓሊፉ'ውን ኣብ ገለ ቦታታት፡ እቲ ምኒስተር ምህዞን ተኬኖሎጅን ዶክተር ጌታሁን ተተኺሎም ዝበሎም ቁጽሪ ኣግራብን፡ ኣብ ድሕረ ገጽ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርኣዩ ዝነበሩ ኣሃዛትን ፍልልይ ኣለዎም።

ብዛዕባ እዚ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር መብርሂ ክወሃበና ዘቕረብናዮ ሕቶ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸብናን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ተበግሶ ብምምስጋን፡ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳ ጻውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣብ ብዝሒ እቶም ተተኺሎም ዝተባህሉ ኣግራብ ግን ካብ ብዙሓት ሕቶ ኣለዓዒሉ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ሰልፊ ኢዜማ ኣቶ ዘላለም ወርቅኣገኝሁ "ኣነ ብወገነይ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ክንድዚ ኣግራብ ተተኺሎም'ዮም ኢለ ኣይኣምንን'ዩ ኢሉ።

እዞም ነዚ ብዝሒ ዘይሰማማዕሉ ሰባት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ብብሄር ዘነጻጸረ ጸገማት ንምሽፋንን ኣቓልቦ ንምቕያር ከም ዝተጠቐመሉ'ዮም ዝገልጹ።

ግን ናይ ብሓቂ ክብረ ወሰን ሒዙ ድዩ?

ኣብ ዓለም ዝተፈጸሙ ኣገረምቲ ነገራት መዝጊቡ ናይ ክብሪ ምስክርነት ዝህብ ጊነስ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ፡ ብዛዕባ እዞም ተተኺሎም ዝተባህሉ ፈልስታት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓበሮ ነገር ከምዘየለ እዩ ዝሕብር።

ወሃቢት ቃል ትካል ጊንስ ቡክ ኦፍ ሪከርድስ ጁሲካ ዳውስ "ንሕና ዝኾነ ክብረ ወሰን ዝሕዝ ነገር ከጋጥም እንከሎ ብትኹረት ኢና ንከታትል። ኣወሃሃድቲ መደባት ከኣ ክብረ ወሰን ዝሕዝ ነገራት ምስ ዝህሉ መታን ክንምዝግበሎም ኣቐዲሞም ክሕብሩና ከም ዘለዎም ምኽርና ንልግስ ኢና" ትብል።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ክብረ ወሰን ዝሰብር ምትካል ፈልስታት ተኻይዱ እንተኾይኑ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ተሳቲፎም፡ መዓስን ኣበይን ከም ዝተኻየደ ዝሕብር ሰነዳት ከረክቡ ይግበኦም'ዩ።

ሓሓሊፉ'ውን ከልተ ዘይሻራውያን ዝኾኑ መሰኻኽር ተረኺቦም፡ ክብረ ወሰን ዝሰብር ነገር ከም ዝተፈጸመ ከረጋግጹን ክምስኩሩን ዝግበረሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ግን ኣብ ሓደ መዓልቲ ብምትካል ፈልሲ ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ህንዲ እያ።

ብውልቂ ድማ ካናዳዊ ኬን ቻፕሊን ኣብ ሓደ መዓልቲ 15 ሽሕን 170 ፈልስታት ብምትካል ክበረ ወሰን ሒዙ ይርከብ።

ተወሳኺ ዛንታ