ሂልሶንግ፡ ብሙዚቃዊ ምርኢት 'ዝተጸለለት' ክልተ ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለዎ ቤተክርስቲያን

CGI እየሱስ ክርስቶስ ኣብ መድረኽ ምርኢት ሂልሶንግ ቐሪቡ Image copyright Holly Honderich

ሓደ ሰብ ጽቡቕ ቅርጺ ምርኢት ሙዚቃ [ኮንሰርት] እንትረክብ፡ ነዚ'ዩ ዝመስል።

ኩሉ ሰብ ኢዱ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢሉ ነነው . . . ይብል። እቲ ዝኽፈት ሙዚቃ እትቕልቀል ድማ፡ ናብ ጽላለ ብዘዘምበለ ስምዒት ተሰንዩ ይምሰጥ።

ኣብ ኣዳራሽ ሓደ ቤተክርስቲያን ዝቐርብ ምርኢት ሙዚቃ፡ ንብዙሓት ከምዚ'ዩ ዝገብሮም። እቲ መዝሙር ዝፈልጡዎ ሰባት ስምዒቶም ደሚሮም ሓቢሮም የዚሙ። ንዘይፈልጡዎ ድማ፡ ግጥሚ እቶም ደርፍታት ኣብቲ ግድግዳ እቲ መድረኽ ይኽፈተሎም።

ኣብዚ መድረኽ ዝቐርቡ ደርፍታት ስምዒትካ ክገዝእ ዘኽእል ቀለም ኣለዎም። እዚ ባንድ ሂልሶንግ ዝሸጦ መዝሙር፡ ጣዕመ ዜምኡ ይወጽእ፣ ይወርድ፣ ይወጽእ . . .።

ጥብቕ ዝብል ጅንስ ስረን ማሊያን ዝተኸደኑ ውቃጦ ዘለዎም 10 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ባንድ ዘቕርቦ ሙዚቃ'ዩ። እዚ ሓደ ዓይነት መስርዕ፡ ዕዱማት እቲ መድረኽ እኩባት ዘይኮኑ ምእመናን የምስሎም።

እዚ ምርኢት ባንድ ሙዚቃ ዘይኮነ፡ ናይ ሓደ ቤተክርስቲያን መድረኽ'ዩ።

ኣብያተ ክርስቲያን ኣሜሪካ፡ ብልዑል ቑጽሪ ይንክያ'የን ዘለዋ፤ እዚ ቤተክርስቲያን ግን ብዘቕርቦ ምርኢት ሙዚቃ ዝተጸለሉ ሚሊዮናት ሰዓብቲ ሒዙ ይግስግስ ኣሎ።

እዚ ኹሉ፡ ቤተክርስቲያን ሂልሶንግ ዝወነኖ ቅቡልነት'ዩ። ሂልሶንግ ግን ናይ ሸቐጥ ድዩ ናይ እምነት?

Image copyright Holly Honderich
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣደራሽ ሕብረት ሂልሶንግ፡ ኣብ ዋሽንግተን

ኣባላት ሂል ሶንግ ግን ልክዕ ከምቲ እትፈትዉዎ ኾኾብ ሙዚቃ 'ሮክ' ኣይኮኑን። እዚ ጉጅለ ዝተፈለየ፡ ሃይማኖታዊ'ዩ።

ሓደ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ወይ መራኸቢ ቦታ ዝሽየጥ ኣልኮሆል የለን። ምስዚ ዝዛመዱ መላለዪ ፍርያት ዝኾኑ'ውን ከም ዝኽወሉ ይግበር።

ካልኣይ፡ ኣብ ባይታ እቲ ምርኢት ሙዚቃ ዝቐርበሉ ኣዳራሽ ኮይኖም ሰደርያ ዝተኸደኑ፡ ንኣቕሽሽቲ ቤተክህነት ዝኸውን ምጽዋት ዝልምኑ ኣለው። ሳልሳይ፡ ግዙፍ ምስሊ ኣምልኾ ኣብ መስቀል ዝተሰቐለ እየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ መድረኽ ይርአ'ዩ። ስለዚ ምርኢት ሙዚቃ ዝቐርበሉ ዘይኮነ፡ ቤተክርስቲያን'ዩ።

ባንድ ሕብረት ሂልሶንግ፡ ጨንፈር ቤተክስርቲያን ሂልሶንግ'ዩ። ኣብ 1983 ዱ ብሪያንን ቦቢ ሆስተንን ብዝተብሃሉ ክልተ ሰብ ሓዳር ኣብ ኣውስትራሊያ ሲድኒ ተመስሪቱ።

ኣቕሽሽቲ ቤተክህነት ናብ ዓለማዊ ወንጌላዊ ክስተት ክዓቢ ገይሮም። ሕጂ፡ ኣብ ሽዱሽተ ክፍለዓለማት ከም ዝርከብን ኣብ 23 ከተማታት ድማ ኣብያተ ክርስቲያን ከም ዘለዎን ይእመን።

ኩል ግዘ ሰንበት፡ ኣብ ዓለም ብማእኸላይ 130 ሽሕ ኣምለኽቲ፡ ኣገልግሎት ሂልሶንግ ይካፈሉ። ብዙሓት ፍሉጣት ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ድማ፡ ሰዓብቲ'ዮም።

ጃስቲን ቢበር ምስ በዓልቲ ቤቱ፣ ሄይሊ ባልዲ'ውን ቤበር ገለ ካብቶም ፍሉጣት ኣባላት'ዮም። ተጻወትቲ ኩዕሶ ስክዒት ኬቪን ዱራንትን ኪየር ኢርቪንግን፡ ካብ ቀሺ ቤተክርስቲያን ሂልሶንግ ኒውዮርክ፡ ምኽሪ ይወስዱ ነይሮም።

ክሪስ ፓርትን ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን'ውን ምስ'ዚ ቤተክርስቲያን ዝነበሮም ምትእስሳር ቀሊል ኣይኮነን።

ሂልሶንግ፡ ብተደጋጋሚ ንቃለ መሕትት ዝገበርናዮ ጻዕሪ ነጺጉዎ'ዩ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሂልሶንግ፡ ከም ኬቪን ዱራንት፣ ሄይሊ ባልድዊንን ክሪስ ፕራትን ዝበሉ ፍሉጣት ሰባት ስሒቡ'ዩ

"ሕጂ ኣዝዩ ጸላዊ ኣገልግሎት'ዩ" ኢሉ ኣብ ሰሜን ካሮሊና ናይ ዝተደኮነ ስብከት ቤተክርስቲያን መራሒ ዝነበረ ማክ ብሮክ።

ሂልሶንግ ንርእሱ "ዘመናዊ" ቤተክርስቲያን ኢሉ ዝጽውዕ ኮይኑ፡ "መንግስቲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ክፈጥር ልኡኽ ኣለዎ" ይብል።

ሂልሶንግ፡ ኣብ ሲድኒን ኣሪዞናን ዝኸፈቶም ክልተ ኮሌጃት ዝውንን ኮይኑ፡ ዓመታዊ መጋብኣያ ዘካይድ፣ ናይ 24 ሰዓት ፈነወ ዘለዎ ቴሌቪዥን፣ ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎትን ምርኢት ሙዚቃን ዘለዎ እዩ።

ባንድ ሂልሶንግ፡ ኣብ ኢንስተግራም ልዕሊ 2 ሚሊዮን ሰዓብቲ፣ ካልኦት 1.5 ሚሊዮን ኣባላትን ዕጽፊ ዝኸዱ ተኸተልትን ዘለዎ ዓብዪ ቤተክርስቲያን'ዩ። ሙዚቅኦም ኣብ 'ስፖቲፋይ' ሰሙናዊ 3.5 ሚሊዮን ሰብ ይሰምዖ።

ፍሉጥ ሙዚቃ እዚ ባንድ 'to date, Oceans' ኣብ 'ስፖቲፋይ' ጥራሕ ኀዕዕሊ 155 ግዘ ተሰሚዑ።

ኣብ ሞንጎ ሙዚቃ 'ሮክ'ን ክርስትናን ዘሎ ዝምድና ሓድሽ ኣይኮነን፤ ሂልሶንግ ዝጥቀመሉ ስፍሓት ሙዚቃ 'ሪክ' ግን ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ሂልሶንግ "መሪሕ ሙዚቃ ቤተክርስቲያን'ዩ" ዝበለ ብሮክ "ንዓይ እቶም ብሉጻት'ዮም' ኢሉ። ይኹን'ምበር፡ ኣብ ኣሜሪካ ማዕረ እቲ ብዝኾነ ሃይማኖት ዘይፍለጡ ሰባት ዝውስኽሉ ዘሎ መጠን፡ ቁጽሪ ክርስቲያን ይንኪ'ዩ ዘሎ ኢሉ።

ካብ 2007-2014፡ ቁጽሪ ንነብሶም ክርስቲያን ኢሎም ዝጽውዑ ሰባት ብ8 ሚኢታዊት ነክዩ።

Image copyright Facebook/Mack Brock
ናይ ምስሊ መግለጺ ማርክ ብሮክ፤ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ ልዕሊ 30 ግዘ መድኸ እሂልሶንግ ከፊቱ

ወርሒ ሓምለ ንባንድ ሂልሶንግ ዝረኸበት ጓል 27 ዓመት ዳኒኤላ ካፕቶ፡ "ንዕኦም ክንርኢ ዕድሜና ሙሉእ ኢና ተጸቢና። ኣብዛ ምድሪ እቲ ዝቐለለ ነገር ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ሰብ ክትሪኦ ከለኻ'ዩ" ኢላ።

መሓዝኣ ክርስቲን ማግሃሜዝ ብወገና፡ "ምርኢት ሙዚቃ ሂልሶንግ፡ ብትኽክል እተምልኸሉ ሙዚቃ'ዩ" ትብል።

መብዛሕትኦም ሙዚቃ ሂልሶንግ እንታይ ምኻኑ ክነግሩኒ ዘዘራረብኩዎም ሰባት፡ መርኣያ እምነቶምን ምስ ካልኦት ዝካፈሉዎ ብሉጽ ነገርን ምኻኑ'ዮም ነጊሮምኒ።

ወዲ መስራቲ ቤተክርስቲያን ዝኾነ መሪሕ ዘማሪ ጆል ሆስተን፡ ኣጻብዕቱ ኣብታ ዝተሸከማ ጊታር እናደርደረ፣ ናብቲ እኩብ ህዝቢ እናጠመተ፡ "እግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክገብር ጸኒሑ'ዩ። ብዘይምኽንያት ዝመጽአ ሰብ የለን። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዘለኹሞ መጺኡ ክረኽበኩም'ዩ" ይብል ነይሩ።

ከምዚ ዓይነት ስብከት፡ ሓደ ካብ ልኡኽ ሂልሶንግ ኮይኑ ሰባት ዝምሕጸነሉን ዝቐርበሉን መገዲ'ውን እዩ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ሂልሶንግ ናይ ሃይማኖት ትካል ወንጌላዊ ቤተክርስቲያን'ዩ። በዚ ምኽንያት ቅዱስ መጽሓፍ፡ "ቅኑዕ፣ ኣዛዚ ከምኡ'ውን ኣብ ዕለታዊ ህይወት ተፈጻምነት ዘለዎ'ዩ" ኢሉ ይኣምን።

እቲ ቤተክርስቲያን ውርሻዊ ኣተሓሳስባ ሒዙ ዓቃባዊ ምኻኑ ገሊኦም ጽቡቕ ስምዒት ኣይፈጥረሎም።

ጆሽ ካንፊልድ ኣብ 2008 ሂልሶንግ ተጸምቢሩ፡ ኣብቲ ናይ ኣምልኾ ጉጅለ ዘማሪ ኮይኑ ነይሩ። እዛ ናይ ቁልዕነቱ ቤተክርስቲያን "ዝተኣሰረት" ኢሉ ይገልጻ።

ካንፊልድ ምስታ ቤተክርስቲያን እንትላለ ምስ እምነቱ ዝተጣመረ ግበረ ሰዶማዊ ነይሩ። እታ ግበረ ሰዶም ኣጥቢቓ እትኹንን ቤተክርስቲያን ግን ኣብዚ ዝነበራ ግልጽነት ዝተሓተተ'ዩ ተባሂላ ትንቀፍ።

ድሕሪኡ ኣብ 2014 ካብታ ቤተክርስቲያን ወጺኡ ብዛዕባ ቦትኡ ብግልጺ ምዝራብ ምስ ጀመረ፡ ትኹረት ማዕኸናት ዜናታት ክስሕብ ጀሚሩ። ኣብዚ ግዘ ቤተክርስቲያን ሂልሶንግ ቅዋማ ግልጺ ገይራ።

"ኣብዚ ጉዳይ ቃል እግዚኣብሄር ግልጺ'ዩ። ቤተክርስቲያን ሂልሶንግ ንኹሉ ሰብ'ያ ትቕበል። ግን ድማ ኣነባብራ ተመሳሳሊ ጾታ ኣይትቕበልን፤ በዚ ምኽንያት እናፈለጥና ከምዚ ዓይነት ሰባት ኣብ ናይ መሪሕነት ቦታ ክህልው ኣይንገብርን" ኢላ።

Image copyright Instagram/Hillsong Los Angeles
Image copyright Holly Honderich
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣደራሽ ሕብረት ሂልሶንግ፡ ኣብ ዋሽንግተን

'ወንጌላውነት ወይስ ዕዳጋ'

ቀሺ ኤጲስቆጶስ ቤተክርስቲያን ብሮክሊን ተምሃራይ ሳልሳይ ዲግሪ ቲኦሎጂ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ስቲቭ ፓውሊኪያስ፡ ቁጽሪ ሰዓብቲ ቤተክርስቲያኑ ይንክዮ ምህላው ይዛረብ።

ከም ሂልሶንግ ዝበላ ኣብያተ ክርስቲያን ብምርኣይ፡ "ብጣዕሚ ዘጨንቕ ምንካይ ቁጽሪ ኢና ንርኢ ዘለና። በዚ ድማ ብካልኦት ንቐንእ' ኢሉ።

ንሱን መሳርሕቱን፡ ሂልሶንግ ዝበጽሖ ደረጃ ብምርኣይ ሃይማኖቶም "ክሳብ ዘጨንቕ ደረጃ" ከስፍሑ ከም ዝደልዩ ይዛረቡ። ናይ ሂልሶንግ ብምልዓል፡ 'ዓወት' ሓንቲ ቤተክርስቲያን ብበዝሒ ኣድነቕቲ ምዕቃን ግን ልክዕ ከም ዘይኮነ ይዛረብ።

"ኣነ ምድህላል እየ ዝብሎ። እዚ ወንጌላውነት ድዩ ወይስ ዕዳጋ?" ኢሉ።

Image copyright Holly Honderich

ቀሺ ስቲቭ፡ ካብ ህቡብነትን ሃብትን ሞራላዊ ኣስተምህሮ እዩ እቲ ዝዓበየ ይብል።

ካብ ሂልሶንግ ዝወጽአ ካንፊልድ ግን ሕጂ'ውን ንሂልሶንግ ይሕለቐላ'ዩ።

"ናብ ሂልሶንግ ምስ ከድካ፡ ብጣዕሚ'ዩ ደስ ዝብል። ጸልማት'ዩ፣ ኣብ ርእስኻ ዝዘውር ሕብርታቱ ዝቐያይር መብራህቲ ኣሎ፣ ኣብ ጎንኻ ጠጠው ኢሎም ዝስሕቑ መሳቱኻ ኣለው፣ እቲ ሙዚቃ ምስ ጀመረ ድማ የንጽሀካ፤ ኣብቲ ዓለም ዘሎ ጭራቚምራቚ ድምጺ ጠቕሊሉ ይጠፍኣልካ" ይብል።

ወሲኹ፡ "እቲ ሙዚቃ ሓፍ ዘብለካ፣ ጽቡቕ ክስመዐካ ዝገብር ደስ በሃሊ ሙዚቃ'ዩ። ቅዱስ መጸዕሓፍ፡ ዋላ ሓደ ጽቡቕ ክስመዐካ ዝገብር ኣሎ ይብል ኢለ ኣይሓስብን" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ