መርከብ ዘድሓነቶም ስደተኛታት፡ እትቕበሎም ሃገር ስኢኖም ኣብ ሰንፈላል ኣለዉ

ስደተኛታት Image copyright ANNE CHAON

ክልተ መርከባት ድሕነት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዘድሐነኦም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ስደተኛታት፡ ዝቕበሎም ሃገር ስለዘይረኸቡ ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያን ሰንፈላል ኮይኖም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ኣብ ቀረባ እዋን ወፍሪ ምድሓን ስደተኛታት ዝጀመረት ናይ ፈረንሳይ ሓዳሽ መርከብ 'ኦሽን ቫይኪንግ' 356 ስደተኛታት ጽዒና ዘላ ኮይና፡ 'ፕሮኣክቲቫ ኦፕን ኣርምስ' እትበሃል ካልእቲ ናይ ስፔን መርከብ ድሕነት ድማ 150 ስደተኛታት ጽዒና ኣላ።

ነቲ ወፍሪ ድሕነት ዘካይዱ ትካላት ረድኤት፡ ሊቢያ ውሕስቲ ስለዘይኮነት እቶም ስደተኛታት "ብዝኾነ ይኹን ኩነታት" ናብታ ሃገር ክምለሱ የብሎምን ይብሉ።

እንተኾነ፡ ሰብ መዚ ጥልያንን ማልታን እተን መራኽብ ድሕነት፡ ኣብ ወደባቶም ከራግፋ ኣየፍቀዱን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን ማቲዮ ሳልቪኒ፡ እተን ክልተ መራኽብ ናብ ወደብ ጣልያን ከይኣትዋ ከምዝገበር ገሊጹ እዩ።

ንመርከብ 'ኦሽን ቫይኪንግ' ዘካይዱ 'ኤስኦኤስ ሜድትራኔ' ከምኡ ድማ "ዶብ ኣልቦ ሓካይም" ዝተብሃሉ ትካላት ረድኤት፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ካብቶም 365 ስደተኛታት እቶም 103 ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እዮም ኢሎም።

ካብኣቶም ከኣ፡ እቶም 11 ጥራይ እዮም ምስ ወላዲኦም ወይ ሓብሓቢኦም ዘለዉ ክብሉ ገሊጾም።

"ሰብመዚ ኣውሮጳ ዓለምለኻዊ ሕጊ ከኽብሩን፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኦሽን ቫይኪንግ ዘለዉ ኩሎም ሰባት ዝራገፍሉ ውሑስ ቦታ ቀልጢፎም ክህቡን" እቶም ትካላት ረድኤት ጸዊዖም።

ገለ ካብቶም ስደተኛታት፡ ኣካላውን ስነልቦናውን ማህሰይቲ ከምዝበጽሖም ዘርእዩ "ምልክታት" ኣለው ይብል እቲ መግለጺ።

"ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ህጻናት ሓዊሱ፡ ሰባት ብነዝሪ ኳረንቲ ክምእተሳቐዩ፣ ብብረትን በትርን ከምእተወቕዑ፣ ብዝመኸኸ ላስቲክ ከምእተቓጸሉን ገሊጾም እዮም። እቲ ኣብ ሊብያ እንከለዉ ዝጸርዎ ቁስልን በሰላን ከመይ ከምዘሳቕዮም ገሊጾምለይ እዮም" ክብል ኣብታ መርከብ ዝርከብ ዶክተር ሊካ ፒጎዚ ተዛሪቡ።

መርከብ ድሕነት 'ኦሽን ቫይኪንግ' ካብ 9 ነሓሰ ክሳብ 12 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ እያ ነቶም ልዕሊ 300 ስደተኛታት ኣድሒናቶም።