ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣብ ውጽኢት ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ቅሬታታት ኣቕሪቡ

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ዶክተር ኢንጂነር ገብረመስቀል ካሕሳይ
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ዶክተር ኢንጂነር ገብረመስቀል ካሕሳይ

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ዶክተር ገብረመስቀል ካሕሳይ፡ ትግራይን ካልኦት ክልላትን ኣብ ሃገራዊ ፈተና ቅሬታ እናሃለወን "ውጽኢት ክግለጽ ኣይምነበሮን" ኢሉ።

ንሱ ፡ ኣብ ገለ ክልላት ምቅድዳሕ ብስፍሓት ተራእዩ ብምንባሩ ናብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ምንባሮም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እቲ ፈተና ብፍላይ ኣብ ሓደ ክልል ካብ ምቅድዳሕ ነጻ ስለዘይነበረ፡ ፈተና ምስተወደአ ምጽራይ ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል ጥርዓን ኣቕሪብና ነይርና" ክብል ኣዘኻኺሩ።

ሽዑ ንዘቕረብዎ ጥርዓን "ክንሪኦ ኢና" ዝብል መልሲ ከም ዝተወሃቦም ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን'ውን ተመሳሳሊ ቅሬታ ኣስሚዖም ምንባሮም ገሊጹ።

"ክልልና ጥራሕ ዘይኮነትስ ካልኦት ግዳይ [በቲ ኣብ ገለ ክልልላት ተፈጺሙ ዝበሎ ምቅድዳሕ] ዝኾና ክልላት'ውን ኣለዋ። ስለዚ ዘቕረብናዮ ጥርዓን ክረኣይ ይኸውን'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ኢሉ።

ነቲ ዝቐረበ ሕቶ መልሲ ከይተወሃበ ውጽኢት ሃገራዊ ፈተና ወግዓዊ ምግባር "ትኽክል" ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ምዘና ትምህርትን ፈተናታትን ኣይተ ኣርኣያ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኑ፡ "ብዛዕባ ኣዋሃህባ ፈተና ናብ ኤጀንሲና ዝቐረበ ቅሬታ የለን" ኢሉ።

ኣብቲ ፈተና ንዝለዓሉ ቅርታታት ምላሽ ከም ዝወሃብ ብምሕባር፡ እዚ ግን "ኣድላዪ ምጽራይ ምስተኻየደ" ከም ዝኸውን ኣረዲኡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት