ሱዳን፡ ሓላፊ ስለያ ዝነበረ ናብ ኣሜሪካ ከይኣቱ ተኸልኪሉ

ሓላፊ ስለያ ሱዳን ዝነበረ ሳላሕ ጎሽ Image copyright AFP

ናይ ጸጥትን ሰለያን ሓላፊ ሱዳን ዝነበረ ሳልሕ ጎሽ ናብ ኣሜሪካ ከይኣቱ ከምዝተኸልከለ ተገሊጹ፡ ናብ ኣሜሪካ ከይኣቱ ዝተኸልከሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተኣሳሰር ክሲ ስለዝቐረበሉ እዩ።

ሳልሕ ጎሽ፡ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስድራ ቤቱ'ውን ናብ ኣሜሪካ ከይኣተዉ እገዳ ተነቢርዎም ኣሎ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፡ ሳልሕ ጎሽ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝወርድ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ጥቡቕ ዝኾነ ርክብ ከምዝነበሮ እኹልን ርጡብን ሓበሬታ ኣለኒ እዩ ዝብል።

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ማይክ ፓምፔዮ፡ ኣብ ሱዳን ብሲቪል ዝቖመ መሪሕነት ክህሉ፡ ኣሜሪካ ምሉእ ደገፍ ከም እትገብር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ሓቢሩ።

እዞም ሕጂ ነታ ሃገር ዝመርሕዋ ዘለዉ ብግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪን ካብ ሲቪል ዝቆሙን፡ ንሰልስተ ዓመታት ብጥምረት ነታ ሃገር ንኽመርሕዋ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ከምዝተፈራረሙ ዝዝከር'ዩ።

እዞም ክልተ ኣካላት፡ ኣብ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ዝህለዎም ስምምዕ፡ ዝምጽእ ቀዳም ክፈራረሙ ከምዝኾኑ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ተወሳኺ ዛንታ