ካስተር ሰመኒያ፡ ኣብ ስፖርት 'ብደቂ ኣንስትዮ ዝተሓገዝኩ ኮይኑ ኣይስምዓንን'

ካስተር ሰመኒያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ካስተር ሰመኒያ፡ ኣብ 2009, 2011ን 2017ን ሻምፒዮን ዓለም ኮይና ወርቂ ሜዳሊያ ተዓዊታ'ያ።

ክልተ እዋን ቻምፒዮን ኦሎምፒክ ዝኾነት ካስተር ሰመኒያ፡ ኣብ ስፖርት ብኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ "ፈጺመ ብዝግባእ ዝተደገፍኩ ኮይኑ ኣይስምዓንን" ኢላ።

ሰለስተ ግዘ ሻምፒዮና ዓለም 800 ሜትሮ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሰመኒያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጎየይቲ ክህልወን ብዛዕባ ዝግባእ መጠን 'ቴስተስትሮን' ብዝምልከት ብዝገጠማ ዕንቅፋት፡ ኣብ መስከረም ኣብ ዶሃ ዝካየድ ውድድር ዘይክትሳተፍ ትኽእል'ያ።

ጓል 28 ዓመት ሰመኒያ፡ "ስለ ዘይስዓር እየ ግዳይ ዝኸውን ዘለኹ" በሃሊት ኢያ።

ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ደቂ ኣንስትዮ ዝተረኽበት ሰመኒያ፡ ብደረጃ ዓለም ንዝበጽሓ ዘሎ ጸቕጢ ናይ ባዕልኻ ዝኾነ ሰብ ክወዳደረካ ከሎ ዝፈጥሮ እዩ ኢለ'የ ክገልጾ ዝኽእል ትብል።

"ኣብ ናይ ስፖርት ዓለም ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ፈጺመ ብዝግባእ ዝተሓገዝኩ፣ ኣቓልቦ ወይ ተገዳስነት ዝረኸብኩ መሲሉ ኣይስምዓንን" ክትብል'ውን ተዛሪባ።

ብመሰረት ፌደሬሽን ዓለማዊ ማሕበር ኣትሌቲክስ ዘወጽኦ ሕጊ ወይ ውሳነ ፡ ካስተር ሰመኒያን ካልኦት ከምኣ ፍልይ ዝበለ ጾታዊ ምዕባለ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ኣትሌታት፡ ኣብ ውድድር ጉያ 400 ሜትሮን ትሕቲኡን ንምውድዳር፡ መድሓኒት [ንመጠን ቴስተስትሮን ዝቆጻጸርን ዝንክይን] ኣቐዲመን ክወስዳ፤ እንተዘይኮይኑ ከኣ ዝወዳደራሉ ርሕቀት ክቕይራ ይግደዳ።

ሰመንያ በዚ ጉዳይ ክልተ ግዜ ናብቲ ፌደሬሽን ይግባይ ሓቲታ፤ ይኹንእንበር ውድቂ ተገይሩ።

ካብ ከምኣ ዝበላ ደቀኣንስትዮ ኣትሌታት ድጋፍ ከም ዘይረኸበት ዝገለጸት ሰመኒያ፡ "ብዝሰርሖ ብልጽቲ'የ። ኣብ ዓለም ብሉጽ ክትኸውን ከለኻ ድማ፡ ሰባት ብእትሰርሖ ኩሉ ቅንኢ ይሓድሮም'ዩ" ኢላ።

"ኣነ ልዕሊ ዓቐን ስለ ዝተዓወትኩ፡ ዓወተይ ንገሊኦም/አን ጸገም ክኸውን ይኽእል'ዩ"።

ሰመኒያ፡ "ካብ ጉያ ደው ከብለኒ ዝፍትን ዝኾነ ኣካል፡ ካብቲ መጉየዪ ሜዳ ጎቲቱ ከውጽአኒ ኣለዎ። ኣብዚ ጉዳይ ካልእ ክብል ኣይክእልን። ክብሎ ዝኽእል፡ ኣነ ኩሉ ግዘ ኣብ ውድድረይ ተዓዊተ'የ ዝወጽእ" ትብል።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ