ሓንቲ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ነፋሪት ሩስያ ብዕስለ ኣዕዋፍ ተሃሪማ ኣብ ሕርሻ ዓሊባ

ኣብ ሕርሻ ዕፉን ዝዓለበት ነፋረቲእ መንገዲ ኣየር ኦራል ዝኾነት ኤርባስ 321 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ እታ ነፋሪት፡ 233 ተጓዓዝትን ኣባላትን ሒዛ ከም ዝነበረትን፡ እተን ኣዕዋፍ ናብ ሞተረታታ ተሳሒበን ምስ ኣተዋ፡ ኣብረርቲ ብህጹጽ ከዕልብዋ ወሲኖም

ኣብ ሩስያ ሓንቲ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ነፋሪት፡ ጸገማት ምስ ኣጋጠማ ኣብ ሓደ ኣብ ጥቓ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝርከብ ሕርሻ ዕፉን ክትዓልብ ተገዲዳ።

በቲ ሓደጋ 23 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

እታ ነፋሪት፡ ዕስለ ኣዕዋፍ ድሕሪ ምህራማ'ያ፡ ሞተረታታ ተፈልዩ፡ ጎማ ኣእጋራ ከይዘርገሐት ኣብቲ ሕርሻ ዓሊባ። እተን ኣዕዋፍ ናብ ሞተረታታ ተሳሒበን ከም ዝኣተዋ ተፈሊጡ።

እታ መንገዲ ኣየር ኦራል ዝኾነት ኤርባስ 321 ናብታ ኣብ ዞባ ክሪምያ እትርከብ ከተማ ሲምፈሮፓል ኣብ እትበረሉ ዝነበረት እዋን'ያ፡ ኣዕዋፍ ባሕሪ ሃሪማ።

መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ እታ ሃገር፡ ብዘይ ከቢድ ጉድኣት ክትዓልብ ምኽኣላ "ተኣምራት" ክብላ ገሊጸንኦ።

እታ ነፋሪት ዓቢ ዕንወት ከም ዘጋጠማን ድሕሪ ሕጂ ክትበርር ከም ዘይትኽእልን እቲ መንገዲ ኣየር ኣፍሊጡ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምጽራይ ወግዓዊ መርመራ ተጀሚሩ'ሎ።

እታ ነፋሪት፡ 233 ተጓዓዝትን ኣባላትን ሒዛ ከም ዝነበረትን፡ እተን ኣዕዋፍ ናብ ሞተረታታ ተሳሒበን ምስ ኣተዋ፡ ኣብረርቲ ብህጹጽ ከዕልብዋ ወሲኖም።

እታ ነፋሪት ካብ ማዕርፎ ኣየር ምስተላዕለት ብኡንብኡ ክትንቅቀጥ ከም ዝጀመረት ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ ተጓዓዚ ንመንግስታዊት ተለቭዥን እታ ሃገር ተዛሪቡ።

Image copyright Reuters

"ድሕሪ 5 ካሊኢታት፥ ኣብ የማናይ ወገን ዘሎ መብራህቲ ናይታ ነፋሪት ውልዕ ጥፍእ ክብል ጀሚሩ። ናይ ሓዊ ጨና ክሽትት ጀሚሩ። ምስ ዓሊብና ድማ ኩሉ ሰብ ሃዲሙ" ኢሉ።

ትካል መጓዓዝያ ኣየር 'ሮሳቪያትሲያ' ከም ዝበሎ፡ እታ ነፋሪት፡ ሓደ ኪሎ ሜትር ካብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ዙኮቭስኪ ኣብ ዝርከብ ናይ ዕፉን ሕርሻ'ያ ዓሊባ። ሞቶራታ ድማ ምስኣ ከም ዘይነበረን፡ ኣእጋራ'ውን ከም ዘይተዘርግሐ'ውን ጠቒሱ።

ድሕሪ'ቲ ሓደጋ፡ ተጓዓዝቲ ገሊኦም ናብ ሆስፒታል ገለ ድማ ናብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ተወሲዶም።

ካብቶም ሕክምና ዝተገብረሎም ሓሙሽተ ቆልዑ ከም ዝርከብዎም ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ። እቶም ኣብቲ ሓደጋ ዝቖሰሉ ከቢድን ቀሊልን ማህሰይቲ ዘለዎም ምዃኖም ሰብመዚ ተዛሪቦም።