ኣባል ኮንግረስ ኢልሃን ዖማር ምስ ካልኣይታ ናብ እስራኤል ከይኣትዋ ተኣጊደን

ኣባላት ኮንግር ራሺዳ ጥላይብን (ጸጋም) ኢልሃን ዖማርን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ኮንግር ራሺዳ ትላይብን (ጸጋም) ኢልሃን ዖማርን

መንግስቲ እስራኤል ንሶማልያዊት-ኣመሪካዊት ኣባል ኮንግረስ ኢልሃን ዖማርን ካልኣይታ ራሺዳ ትላይብን ናብታ ሃገር ከይኣትዋ ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ።

እተን ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ንእስራኤል ብትሪ ክነቕፋ ጸኒሐን'የን።

ክልቲአን፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብቲ ብእስራኤል ተታሒዙ ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤምን ምብራቕ እዮርሳሌምን ንምብጻሕ መደብ ነይሩወን።

ንሳተን፡ ነቲ ንእስራኤል ንምግላል ዝሰርሕ ምንቅስቓስ ደገፈን ዝሃባ ኮይነን፡ ሕጊ እስራኤል ንደገፍቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ምእጋድ ዘፍቅድ'ዩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ብትዊትር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ናብ እስራኤል ክኣትዋ እንተተፈቒዱለን "ዓቢይ ድኽመት" ዘርኢ ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ እገዳ ብምርግጋጽ "ንእስራኤል ክጎድኣ ዝጽዕራ ክኣትዋ ምፍቃድ ዘይሕሰብ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን፡ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ፡ እተን ክልተ ኣባላት ደሞክራስያዊ ሰልፊ ወከልቲ ህዝቢ፡ "ንኮነግረስ ኣመሪካ ዘለና ክብሪን፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣመሪካን ዘለና ምሕዝነት ኣብ ግምት ብምእታው ናብታ ሃገር ክኣትዋ ክፍቀደለን" ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ክልቲአን ኣባላት ኮንገረስ ክቋዮቕ ከም ዝጸንሐን፡ ብፍላይ "ናብ ሃገረን ክምለሳ ኣለዋ" ምባሉ፡ ብዓሌታውነት ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ንሰን ብወገነን፡ እቲ ፕረዚደንት ዓሌታዊ ምዃኑን፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝድጋፋን ክገልጻ ጸኒሐን'የን። ኣባል ባይቶ ኢልሃን ትራምፕ ኣብ ህዝቢ ምክፍፋልን ፍርሕን ከሳውር ዝጽዕር ዘሎ "ፋሽሽታዊ" ፕረዚደንት ክትብል ገሊጻቶ ነይራ'ያ።

ኣብቲ ዝመጽእ ሰንበት ክፍልም ዝተሓስበ ጉዕዞአን፡ ነታ ብኣስላምን ኣይሁዳውያንን ዘምልኹላ፡ 'ተምፕል ማውንት'፡ ብእስላም 'ሓራም ኣል-ሻርፍ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተኣፋፊ ቦታ ክበጽሓ መደብ ነይሩወን።

ምስቶም ንሰላም ዝጽዕሩ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ክራኸባ'ውን መደብ ኣውጺአን ነይረን።

ራሺዳ ትላይብ ነታ ኣብ ፍልስጤም ዘላ ዓባያ [እነ-ሕጎኣ] ንምርኣይ ተወሳኺ ክልተ መዓልታት ክትጸንሕ ትሓስብ ምንባራ'ውን ጸብጻባት ሒቢሮም።

እስራኤል ንኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትእግድ እዚ ናይ መጀመርታ'ዩ።