ኣብ ከተማ ጆሃንሰበርግ ኣብያተ ንግዲ ወጻእተኛታት ተዘሚቱ

ኣብ ነሓሰ 2018 ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዘርኢ ስእሊ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቅድሚ ሓደ ኣመት'ውን ኣብ ሰዌቶ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ንብረቶምን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲን ዝምታን ተኻዪዱ ነይሩ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከተማ ጆሃንሰበርግ ገለ ነበርቲ ክፍለከተማ ሰዌቶ፡ ናይ ወጻእተኛታት'ዩ ዝበልዎ ኣብያተ ንግዲ ክዘምቱ ከም ዝሓደሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ዝተዘምተ ደንኳን ስደተኛታት ዝውንንዎ ኸይኑ፡ መበገሲኡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጽልኢ ወጻእተኛታት [ዜኖፎቢያ] ምዃኑ ይንገር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፓሊስ እታ ሃገር፡ ዘይሕጋዊ ኣቑሑት ይሸጡ ኣለው ብምባል ንሓያሎ ትካላት ስደተኛታት ክወሩ ተራእዮም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ሂወት ስደተኛታት ዝቐዘፈ መጥቃዕትታትን ዝምታን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ተኻዪዱ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ስርቆትን ዘመተን ረቡዕ ከምዝጀመረ ድማ ታይምስላይቭ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሃን ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ሕልፍ ዝበለ ጽልኢ እናተፈጠረ ከምዝመጽአ ይዝረብ።

ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ድንኳናት እዋኖም ዝሓለፎም ፍርያት ይሸጡ ኣለው ብዝብል ውንጀላ ተለዓዒሎም ብዙሓት ስደተኛታት ግዳይ እዚ ጥቕዓት ኮይኖም እዮም።

ኣብ ትዊተር #Sowetolooting ብዝብል መለለዪ ጎስጓስ ክወዓዋዕ ዝተስተውዓለ እንትኸውን፡ ብርክት ዝበሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝተፈላለዩ ስብርባር ኣቑሑት ብምልጣፍ ነቲ ተግባር ኮኒኖሞ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ግዳይ እዚ መጥቃዕቲ ካብ መንጎ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ይርከቡዎም።

ነቲ ጽልዒ ዘሳውሩን፡ ናብ መጥቃዕቲ ከሰጋገር ዝገብሩን ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ምምሕዳር እታ ሃገር ዘለዉ ፓለቲከኛታት ምዃኖም፡ መጽናዕቲ ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታትን ሕብረተሰብን ኣፍሪቃ (ACMS) ዝተባህለ ትካል ዩኒቨርሲቲ ቪትቨተርስራንድ የረድእ።