ፖለቲካ፡ ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ዘተ ነጺጋቶ

ኪም Image copyright EPA

ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ሕጂ ምስ ደቡብ ኮርያ ክዛተ ኣይደልን ብምባል ዘተ ክልቲኤን ሃገራት ነጺጋቶ። ነዚ፡ "ብጠቕላላ ናይ ደቡብ ኮርያ ግጉይ ተግባር'ዩ" ዝብል ምኽንያት ድማ ሂባ።

ክልቲኤን ኮርያ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም እየን ኣብ ክልተ ተኸፊለን።

ደቡብ ኮርያ ካብ መግዛእቲ ጃፓን ናጸ ዝወጽአትሉ መዓልቲ ሓርነት ኣብ ዝኽበረሉ፡ ትማሊ ፕሬዝደንት ደቡብ ኮርያ ሚን ጃ-ኢን፡ ኣብ 2045 ቐጠና ኮርያ ናብ ሓድነት ከም ዘምጽኦ ተመጻቢዑ።

ፕሬዝደንት ሙን፡ ቐጠና ኮርያ ካብ ኒኩለር ናጻ ዝኾነ ዞና ናይ ምግባር ዕላማ ኣብ "ወሳናይ ነጥቢ" በጺሑ ክነሱ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ኮርያ ዝካየድ ዘተ ግን ካብ ምትህልላኽ ዝተልዓለ ፍታሕ ዝሰኣነ ጉዳይ ኮይኑ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቱ፡ "ንምብራቕ ኤዥያን ዓለምን ሰላምን ብልጽግናን ዘምጽእ ሓድሽ ቐጠና ኮርያ ይጽበየና" ኢሉ።

Image copyright EPA

ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ትርጉም ዘተ ብምሕታት "ሕጂ'ውን ደቡብ ኮርያ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ታዕሊም እናካየደት ብዛዕባ ሰላማዊ ቑጠባን ሰላማዊ ስርዓተ መንግስትን ክህሉ ክትዛረብ መሰል የብላን" ኢላ።

ንፕሬዝደንት ሙን ከይተረፈ ዝነቅፍ መልእኽቲ ዘሕለፈት ሰሜን ኮርያ፡ "ብሓቂ ዘይሓፍር ሰብኣይ'ዩ" ኢላቶ።

ነዚ ዝሃቦ መግለጺ ብጽሑፍ ምላሽ ዝሃበት ሰሜን ኮርያ ድማ፡ ሎሚ ንጉሆ ድማ ናብ ምብራቓዊ ገምገም ባሕሪ ፈተነ ክልተ ሚሳይል ከም ዘካየደት ወተሃደራት ደቡብ ገሊጾም።

ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልቲ ክልተ ሓጺር ርሕቐት ዝውንጨፉ ሚሳይላት ዘወንጨፈት ሰሜን ኮርያ፡ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ሽዱሽተ ግዘ ሚሳይል ኣወንጪፋ ኣላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ