ሱዳን፡ ፍሉጥ ኪኢላ ቁጠባ ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ተረቚሑ

ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ንሱ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምክትል ሓላፊ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ልፍንቲ ተቓወምቲ ሱዳን፡ ንሓደ ፍሉጥ ቁጠባዊ ኪኢላ ዝኾነ ሱዳናዊ ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ኮይኑ ከገልግል ሓጽይዎ።

ዶ/ር ዓብደላ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝለዓለ ሓላፍነት ዝሰርሐ ምዃኑ ይንገረሉ። ንሱ፡ ምክትል ሓላፊ ቁጠባዊ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

እቲ ኣብታ ሃገር ስልጣን ጨቢጡ ዝርከብ ወታሃደራዊ ቤት-ምኽሪን እቶም ብሓይልታት ኣዋጅ ናጽነት ዝፍለጡ ልፍንቲ ተቓወምትን፡ ጽባሕ ቀዳም፡ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክፍርሙ ትጽቢት ይግበር።

ብመሰረት እቲ ንሰለስተ ዓመት ክጸንሕ ኣቐዲሙ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ መሰጋገሪ እዋን፡ ጽባሕ ክፍልም'ዩ።

ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ድማ፡ ነቲ መሰጋገሪ እዋን ዝመርሕ ላዕለዋይ ቤት-ምኽሪ ክቐውም'ዩ። እቲ ቤት-ምኽሪ፡ ሽዱሽተ ሲቪላውያንን ሓሙሽተ ጀነራላትን ዝሓቖፈ ክኸውን'ዩ።

ድሕሪ'ዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይቲ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ክምረጽ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዶ/ር ዓብደላ፡ ፋይናንስ ሚኒስተር ክኸውን ብፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር'ኳ ተመዚዙ እንተነበረ፡ ኣይተቐበሎን ክብል ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ መንግስቲ ፕረዚደንት በሽር፡ ህጹጽ ቁጠባዊ ስጉምታት ብምውሳድ፡ ነቲ ኣብ መሰራታውያን ሃለኽቲ ዝግበር ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምትራፉ ተቓውሞታት ኣለዓዒሉ።

እቲ ናዕቢ እናበርትዐ ድሕሪ ምኻዱን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማ ድሕሪ ምልብዑን፡ ኣብ ሚያዝያ ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ኣልይዎ።

"ኣብዚ ሰውራዊ ህዝቢ ሱዳን ብተስፋ ኣብ ምጽባይ ዝርከብሉ ዘለዉ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና እቲ ዝሓየለ እዋን፡ ንዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ዓወት ንምነየሉ" ክብል ነቲ ናዕብታት ዘበገሰ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን ከም ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጠቒሱ።

ዶ/ር ዓብደላ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘለዎ ርክብ ነታ ሃገር ካብ ናይ ኣመሪካ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ክትወጽእ ክሕግዛ ከም ዝኽእል ሓደ ሱዳናዊ ኪኢላ ቁጠባ ተዛሪቡ።

"ካብዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ዝፈተነ ሰብ፡ ከመይ ጌሩ ነቲ መስርሕ ከምዝገጥሞ ዝፈልጥ ይመስለኒ" ይብል ኣሚን ሓሰን ሰይድ ኣሕመድ።

ብመሰረት ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዶ/ር ዓብደላ፡ ከም ናይ ፓሊሲን ቁጠባን ኪኢላ ናይ ልዕሊ 30 ተመክሮ ዘለዎን፡ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብሪጣንያ ዝተፈላለየ ዲግሪታት ዘለዎ ምዃኑ ምርዳእ ተኻኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት