ኢትዮ-ቴክኖሎጂ፡ ዕውታት ውድድር ምህዞ-ቴክኖሎጂ ሎሚ መዓልቲ ክግለጽ'ዩ

ምርምር ዘካይዱ መናእሰይ Image copyright ICOG LABS FB
ናይ ምስሊ መግለጺ ምርምር ዘካይዱ መናእሰይ

ተዓወትቲ ሶልቭ ኣይቲ ኢኖቬሽን (Solve IT Inovation) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከካይዶ ዝጸንሐ ሃገራዊ ውድድር ምህዞ መናእሰይ፡ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ወግዐዊ ክኸውን'ዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ኣይኮግ ላብስ (iCog Labs) ኣቶ ጌትነት ኣሰፋ፡ ኣብቲ ውድድር ዕድሚኦም ካብ 18-28 ዝኾኑ መናእሰይ ክሳተፉ ተገይሩ'ዩ ኢሉ።

መሃዝቲ መናእሰይ ስርሖም ክፍለጥን ኣብ ተግባር ክውዕልን ስልጠና ክረኽቡ ብምግባር ውጽኢታውያን ክኾኑ ንምግባር ዝዓለመ ምኻኑ ኣቶ ጌትነት ይገልጽ።

እዞም መናእሰይ ኣብ ካልኦአት ሃገራት ምስ ዝርከቡ ኣብ 'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ከምኡ'ውን ቴክኖሎጂ ዝሰርሑ ትካላት ንምትእስሳር ከም ዝሕግዝ'ውን ኣብሪሁ።

63 ስራሕቲ ምህዞ ድማ ንውድድር ቐሪቦም። መብዛሕትኦም ተወዳደርቲ፡ ኣብ ትምህርቲ፣ ሆቴልን ቱሪዝምን፣ ጥዕና ክመኡ'ውን ሕርሻ ትኹረት ዝገቡ ስራሕቲ ከም ዘቕረቡ ኣቶ ጌትነት ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ውድድር፡ ኤምባሲ ኣሜሪካን ኣይኮግ ላብስን ብሓባር ዘዳለውዎ ኮይኑ፡ ናይዚ ዓመት ውድድር ድማ ኤምባሲ ኣሜሪካ፣ ጃይካን ኣይኮግ ላብስ ብሓባር ዘዳለውዎ'ዩ።

ብ2010 ዓ/ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ 1500 ዝኾኑ መናእሰይ ኣመልኪቶም ነይሮም።

ካብ ከተማ ጅማ ዝመጽአ መንእሰይ ሓደ ኦክስጅን ዘድልዮ ሕሙም መጠን ዝወስዶ ኦክስጅን ዝቆጻጸር ምህዞ ብምቕራብ ቐዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ ነይሩ፤ ተሸላማይ 75ሽሕ ብር ድማ ኮይኑ።

ካልኣይ ኮይኑ ዝተዓወተ ካብ መቐለ ዝመጽአ ተወዳዳሪ ድማ፡ ዝተፈላለዩ እታወታት ብምጥቃም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍራይ ዘኽእል ስራሕ ኣቕሪቡ ዝነበረ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ድማ ቑጽሪ ተወዳደርቲ ናብ 2800 ዓብዩ፡ 160 መናእሰይ ንፍጻመ ውድድር ከም ዝበቕዑ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ንተዓወትቲ ውድድር እዚ ዓመት ድማ፡ ናይ 100 ሽሕ ብር ሽልማት ገንዘብ፤ ንኹሎም ተሳተፍቲ ድማ ወረቐት ምስክር ክብርከተሎም'ዩ ተባሂሉ።

ተወሳኺ ዛንታ