ባህላዊ መስተ ኬንያ ዝጸምቁ ቻይናውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ጥርጡራት ቻይናውያን Image copyright DCI TWITTER

ፖሊስ ኬኒያ፡ ቻንጋ ዝተብሃለ ባህላዊ ኣልኮላዊ መስተ ኬኒያውያን፡ ብሕቡእ ከፍርዩ ዝጸንሑ ቻይናውያን ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ካብ ህዝቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ማቻኮስ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ እዞም ቻይናውያን፡ ብዘካየዶ ተፍትሽ፡ ልዑል መጠን እዚ ባህላዊ መስተን ነቲ መስተ መስርሒ ዝውዕሉ እታወታትን ከም ዝሓዘ ኣፍሊጡ።

ማእኸላዊ ግልጋሎት መርመራ ኬኒያ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ጥርጡራት ዋንግ ያላንን ዋንግ ሃይጂያንን ዝተብሃሉ ቻይናውያን'ዮም።

ፖሊስ ብዝገበሮ ተፍትሽ ድማ፡ 800 ሊትሮ ሜታኖል፣ 3ሽሕ ሊትሮ ዝተዳለወ ኣልኮላዊ መስተ፣ ድፍድፍ ዝሓዙ ብዙሓት ገንኢታት፣ ዓበይቲ ናይ ማይ ገንኢታትን እቲ ኣልኮል ንምጽሟቕ ዝውዕሉ እኽልታትን ተረኺቦም።

ብተወሳኺ ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ እዚ ባህላዊ መስተ ኣብ ፋብሪካ ንምፍራይ ዘኽእሉ ናውታት ኣብ ገዛ እቶም ጥርጡራት ረኺቡ'ዩ። ኣብቲ ገዛ ዝተረኸ ሜታኖል ዝተብሃለ ኬሚካል ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ምኻኑ ብምግላጽ ሰባት ብቐሊሉ ክሰኽሩ ከም ዝገብር ሓቢሩ።

ቅድም ኢሉ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ብዝዳለው ባህላዊ መስተታት፡ ብርሃን ዓይኖም ዝሰኣኑን ዝሞቱን ሰባት ከም ዘለውን፡ ነዚ ንምድላው ዝውዕል ኬሚካል ሜታኖል ድማ ምኽንያት ከም ዝኾነን ተገሊጹ ነይሩ።

እዞም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ጥርጡራት፡ መጻኢ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ'ዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ