ኣምሓራ፡ መንቀሊ ጎንጺ ውጫሌ እንታይ'ዩ?

ውጫሌ ዘርኢ ካርታ

ኣብ ክልል ኣምሓራ፤ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ኣምባሰል ከተማ ውጫሌ፡ ኣብ ሞንጎ መናእሰይ እቲ ከባብን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተፈጠረ ጎንጺ፡ ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ህይወት ሰለስተ ሰባት ከም ዝሓለፈን ፖሊስ እታ ወረዳ ገሊጹ።

ካብ መንጎ ዝሞቱ ሰባት፡ እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ እታ ወረዳ ኢንስፔክር መኮንን ሹሙ ተዛሪቡ።

ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ደሴን ካልኦት ማእኸላት ሕክምና ይረኽቡ ኣለው- ኢሉ።

እቲ ኢንስፔክተር፡ እዚ ብሓሙስ 9 ነሓሰ 2011 ዓ.ም [15 ነሓሰ 2019] ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ንሓረስቶት ካሕሳ ብምኽፋል ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዝተውሃበ መሬት ዝነቐለ ምዃኑ ይዛረብ ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሽሞም ክርቋሕ ዘይደለዩ ነበርቲ ድማ፡ እዚ ጎንጺ ቅድሚ ምፍጣሩ [8 ነሓሰ]፡ እቲ ቦታ ክልክዑ ዝኸዱ ሰብ ሞያ መናእሰይ እቲ ኸባቢ ከም ዘጥቅዑዎምን፡ ነዚ ዝፈጸሙ መናእሰይ ከም ዝተኣሰሩን ይዛረቡ።

እዚ መንበሪ ኣባይቲ ክህነጸሉ ንውልቀሰባት ዝተውሃበ መሬት፡ ካብ ከተማ ውጫሌ ሰለስተ ኪሎ ሜትሮ ርሕቕ ኢልካ ዝርከብ ኮይኑ፡ 'ሜዳ ኣበጋር' ተባሂሉ ዝፍለጥ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ካብቲ ከባቢ ዝተልዓሉ ሓረስቶት ካሕሳ መሬት ከም ዝተኸፈሎም ዝገልጽ ኢንስፔክተር መኮንን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ሰብ ሞያ ኣብቲ ቦታ እናለክዑ ከለው፡ መናእሰይ ተኣኪቦም ብምምጽኦም'ዩ ኢሉ።

ኣብዚ እዋን፡ ናይታ ወረዳ ኣካላት ጸጥታ ንምርግጋእ እንተፈተኑ'ውን፡ "እቶም መናእሰይ ህድድ! ኢሎም ብምምጻእ ናብቶም ሓይልታት ጸጥታ እምኒ ክድርብዩ ጀሚሮም" በምባል የብርህ።

ፖሊስ እቲ ኩነታት ንምርግጋእ ድምጺ ተኩሲ እንተስምዐ'ውን፡ "ሕቶ እቶም መናእሰይ 'ካብዚ ቦታ ውጽኡ' ዝብል ስለ ዝነበረ፡ ሰላም ምስ ፈጠርና ክንወጽእ ኢና" ኢሎም ብትዕግስቲ ክሓልፉ ከም ዝፈተኑ ይዛረብ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝበሉዎ'ውን፡ 'እቲ መሬት ንዓና'ዩ ዝግብኣና' ዝብሉ መናእሰይ ተኣኪቦም ብምምጻእ ከም ዝተሰለፉን ዝተኣሰሩ መናእሰይ ንክፍትሑ ናብ ፖሊስ ጣቢያ ከም ዝኸዱን ይገልጹ።

ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ እታ ወረዳ'ውን፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ፖሊስ ጣቢያ ምስ በጽሑ፡ ቑጽሪ እቶም መናእሰይ ብምውሳኹ፡ [ንሱ ከም ዝብሎ 300 ይኣኽሉ] "ኣብ ፖሊስ ጣቢያ ወረዳ ኣምባሰል ዝርከቡ እሱራት ከፍትሑ ፈቲኖም'ዮም" ኢሉ።

እቲ ፖሊስ ጣቢያ'ውን ብኣእማን ከም ዝተጠቕዐን ብምግላጽ፡ ፖሊስ ነዚ ንምክልኻል ጻዕሪ ምግባሩ ሓቢሩ። ኣብቲ ጎንጺ ጉድኣት ዝበጽሖምን ዝሞተን ሰባት፡ ካበየናይ ወገን ብዝተተኮሰ ጥይት ምኻኑ ግን ዝፍለጥ ነገር የለን።

እቶም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ኮነ ጉድኣት ዝበጽሖም፡ ካብቲ ጎንጺ ወጻኢ ዝነበሩ ሲቪላት ምዃኖም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝተፈጥረ ጎንጺ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝርከቡ ዋና ኢንስፔክተር መኮንን ገሊጹ።

ሎሚ መዓልቲ፡ ከተማ ውጫሌ ከም ዝተረጋግዐትን እቲ ጸገም ንምፍታሕ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ዞባ ምስ ነበርቲ ይዝትዩ ከም ዘለው ንምርዳእ ክኢልና።

ነበርቲ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ፖሊስ ፌደራልን ከም ዝተዋፈረ ገሊጾምና።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ