ሳልቪኒ፡ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ክኣትው ኣፍቂዱ

እቶም 27ተ ኣብ ላምፕዱዳ ክኣትው እንከው Image copyright AFP

ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 27 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ካብታ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሰንፈላል ኮይና ዘላ መርከብ ድሕነት ወሪዶም ናብ መሬት ጣልያን ክኣትው ተሰማሚዑ።

እቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጫድ፣ ግብጺ፣ ጋምቢያን ማሊን ምዃኖም ዝሕበር ዘሎ ኮይኑ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልቲ'ዩ ካብታ መርከብ ወሪዶም ናብ ደሴት ላምፐዱሳ ክኣትው ተፈቒድሎም።

ኣብታ 'ኦፕን ኣርምስ' እትበሃል ናይ ድሕነት መርከብ ገና ልዕሊ 100 ሰባት ተሪፎም ኣለው።

እቶም ስደተኛታት ብሓንቲ ናይ ስጳኛ መርከብ ተሳፊሮም ካብ ሓደጋ ምስ ደሓኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ተቐባሊት ሃገር ስኢኖም ኣብ ሰንፈላል ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ፡ ሳልቪኒ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከይኣትው ናይ ምኽልካል "ወልፊ" ሒዝዎ'ሎ ኢሉ።

ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን ክልተ ሚኒስተራት እተን መራኸብ ድሕነት ኣብ ወደብ ላምፐዱሳ ከይኣትዋ ዝኽልክል ናይ ሳልቪኒ ትእዛዝ ምፍራም ኣቢዮም።

ወሃብቲ ረድኤት፡ እቶም ኣብ መርከብ ተሪፎም ዘለው ዓበይትን ክልተ ህጻናትን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ይነብሩ ከም ዘለው ይሕብሩ።

ወደብ ላምፐዱሳ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኩናትን ድኽነትን ንዝሃደሙ ስደተኛታት መተሓላለፊት ደሴት ምዃና ይንገረላ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት