ኢራን፡ ኣብ ጀብል -ጣርቕ ታታሒዛ ዝጸንሐት መርከብ ነዳዲ ኢራን ተለቒቓ

እዛ መርከብ 'ኣድርያን ዳርያ-1' ብዝብል ሓድሽ ስም እያ ትንቀሳቐስ ዘላ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እዛ መርከብ 'ኣድርያን ዳርያ-1' ብዝብል ሓድሽ ስም እያ ትንቀሳቐስ ዘላ

ናብ ሶርያ ነዳዲ ተግዕዝ ኣላ ብዝብል ጥርጣረ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ጀብል -ጣርቕ ተታሒዛ ዝጸንሐት ናይ ኢራን መርከብ ካብ ወደብ ጉዕዞ ጀሚራ ኣላ።

እታ መርከብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኣምሪሓ ዘላ ኮይና ኣብ ግሪክ ከምእተዕርፍ ተገሊጹ ኣሎ።

እታ መርከብ ቅድም ክብል 'ግሬስ 1' ዝበል ሽም ዝነበራ ኾይኑ፡ ሕጂ ግን 'ኣድርያን ዳርያ-1' ብዝብል ሓድሽ ስም እያ ትንቀሳቐስ ዘላ።

ጀብል -ጣርቕ ነታ መርከብ መሊሳ ክትሕዛ ካብ ኣመሪካ ንዝቐረበላ ሕቶ ስለዝነጸገቶ፡ እታ መርከብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ኣምሪሓ ኣላ።

ኣመሪካ ነቲ ሕቶ ዘቕረበት ብዓርቢ ክኸውን ከሎ፡ ጀብል -ጣርቕ እታ መርከብ ክትተሓዝ ዘንበረቶ ትእዛዝ ድሕሪ ምልዓላ እዩ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳ፡ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ተግባራዊ ከምዘይከውን ብምጥቃስ እያ ጀብል -ጣርቕ ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝቐረበላ ሕቶ ከይተቐበለቶ ተሪፋ።

ኢራን ነታ መርከብ ዝሕሉ ሓይሊ ባሕሪ ክትሰድድ ተዳልያ ምህላዋ ገሊጻ።

ድሕረ ባይታ ናይዚ ዛንታ እንታይ እዩ?

እታ ዜጋታት ህንዲ፣ ሩስያ፣ ላቲቭያን ፍሊፒንስን ዝኾኑ 29 ባሕረኛታት ዝሓዘት መርከብ ብሓገዝ ሓይልታት ባሕሪ ብሪጣንያ እያ ተታሒዛ።

እዚ ድማ፡ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝኾነት ጂብራልታር፡ እታ መርከብ ንእገዳ ሕብረት ኣውሮጳ ጥሕሳ ናብ ሶርያ ትጓዓዝ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጻ እዩ።

Image copyright EPA

እቲ ኹነታት ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ኢራንን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ዘስዓበ ኮይኑ፡ ኢራን ናይ ብሪጣንያ ባንዴራ እተንበልብልን ብስዊድናዊ-እትውነንን ናይ ነዳዲ መርከብ ክትሕዝ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ሰብመዚ ጂብራልታር ነታ መርከብ ናጻ ዝሰደድዋ፡ እታ መርከብ ጽዕነታ ኣብ ሶርያ ከምዘይተራግፍ ኢራን ብሓሙስ ስለዘረጋገጸትሎም እዩ።