ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኣልበሽር 'ሚልዮን ዶላራት ካብ ስዑዲ ተቐቢሉ ነይሩ'

ብልዑል ሓለዋ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ቤት ፍርዲ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ብልዑል ሓለዋ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ዑመር ኣልበሽር

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ሚልዮናት ዶላራት ከምዝተቐበለ ኣሚኑ እዩ ክብል መርማሪ ገበን ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

ዑመር ኣልበሽር፡ 25 ሚልዮን ካብ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ንጉስ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ካልእ ቁጽሩ ዘይፍለጥ ገንዘብ ከኣ ካብ ስዑዲ ከም ዝተቐበለ እቲ መርማሪ ገበን ወሲኹ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፡ ትማሊ ብብልሽውና ተኸሲሱ'ዩ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ። ጠበቓታቱ ግና ነቲ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ክብሉ ነጺጎሞ።

ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ስልጣን እዩ ዝሓለፈ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ጻዕዳ ጃላብያን ዑማን ተኸዲኑ፡ ኣብ ውሽጢ ጋብያ ኮይኑ ጉዳዩ ይከታተል ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ዝተመስረተሉ ክስታት ኣመልኪቱ ግና ዝኾነ ርእይቶ ከም ዘይሃበ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና፡ ስሙ ንኸረጋግጽ ከም ዝተዛረበን፡ ኣበይ ትነብር ተባሂሉ ምስ ተሓተተ ድማ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኮባር ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ ከምዝነብር ምዝራቡ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ጠበቓ ዑመር ኣልበሽር ኣሕመድ ኢብራሂም ግን ብዛዕባ'ዚ ክስታት ዝኾነ ሓበሬታን ጭብጥን ከም ዘየለ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ብብዙሕ ክሻታት ሸርፊ ወጻኢ ከምእተረኽበ ዓቃቢ ሕጊ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ ርእስከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ሓያሎ ናይ ጸጥታ ኣካባላት ከም ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ሓቢሮም።

ኣልበሽር ናብቲ ቤት-ፍርዲ ብድሩዓት መካይን ተሰንዩ ከም ዝመጸ ኤፈፒ ጸብጺቡ።

እቲ ናይ ብልሽውና ክሲ እንታይ እዩ?

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ሸርፊ ወጻኢ ብምሓዝን፤ ብልሽውናን ከምኡ'ውን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ህያብ ተቐቢልካ ተባሂሉ እዩ ክስታት ዝቐርበሉ ዘሎ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፤ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ልዕሊ 133 ሚልዮን ዶላር ኣብ መንበሪ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ከም ዝተታሕዘ ሓቢሩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ጠበቓታት ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ነቲ ዝቐረበ ክሲ ነጺጎሞ።

ካልኦት ክስታት

ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣኽባር ሕጊ ሱዳን፡ ሰባት ገበን ክፍጽሙ ብምልዕዓልን ብምቕታል ሰልፈኛታትን፡ ንኣልበሽር ክሲ ኣቕሪቡሉ ነይሩ።

ገለ ካብቲ ክስታት፡ ቅትለት ሓደ ሓኪም ብዝምልከት ካብ ዝተኻየደ መርመራ'ዩ ተረኺቡ።

እቲ ዶክተር ነቶም ዝተጎድኡ ሰልፈኛታት ኣብ ገዝኡ ክሕክም እንከሎ፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተኵሶም።

ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ዶክተር ካብ መንበሪ ገዝኡ ወጺኡ ነቶም ፖሊስ ዶክተር ምዃኑ እናነገሮም እንከሎ እዩ ብኡንብኡ ተቐቲሉ።

Image copyright Reuters

ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ

ፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ፍርዲ ምቕራቡ፡ እቶም ስልጣን ተረኪቦም ዘለዉ ሰብመዚ፡ ክሳብ ክንደይ ነቲ በቲ ዝሓለፈ ስርዓት ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ክሪእዎ ድልውነት ከም ዘለዎም ዝፍትን ክኸውን'ዩ።

ዝሓለፈ ቀዳም ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ጥምረት ስቪላውያን ተቓወምትን፡ ታሪኻዊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን ከቲሞም።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ፡ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሽዱሽተ ሲቪላውያንን ሓሙሽተ ጀነራላትን ዝሓዘ ሉኣላዊ ባይቶ ነታ ሃገር ከመሓድራ ክጸንሕ እዩ።

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን 'ሄመቲ' ዳግሎ፡ ምስ ተቓወምቲ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን ንምትግባር ቃል ኣትዩ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት