ክልል ኣምሓራ፡ ብዛዕባ ኣብ መተማ የውሃንስ ኣብ ቀይዲ ዝወዓላ መካይን ምርመራ ይካየድ ኣሎ

ኣብ መተማ የውሃንስ ደው ክብላ ዝተገዳዳ መካይን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ Image copyright Social media
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ መተማ የውሃንስ ደው ክብላ ዝተገዳዳ መካይን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ

ናብ ሱዳን እናተጉዓዛ እንከለዋ ኣብ መተማ የውሃንስ ደው ክብላ ዝተገደዳ ሓሙሽተ መካይን ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ምርመራ ይካየደለን ከምዘሎ ፖሊስ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እተን መካይን ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብነበርቲ ከተማ መተማ የውሃንስ ደው ክብላ ከምዝተገደዳ ምስተቓልሐ፡ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ኣምስዩ እዩ።

ጽዕነት ምክልኻል ሃገር ዝጸዓና እተን መካይን፡ ቁጽሮም ብዘይንዓቕ ሰባት ተኸቢበን ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው ምባለንን እንታይ ከምዝጸዓናን ብሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ምጽራይ ይግበረለን ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን፡ ንዘወርቲ እተን መካይን ፓስፖርቶም ከርእዩ ሓቲቶም ከርእይዎም ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ቢቢሲ ዘዘራረቦ በዓል ሞያ ምርመራ ገበን መተማ የውሃንስ ሳጅን እንዳልካቸው ተሰማ ገሊጹ።

"ብሰንኪ እዚ ድማ ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጠረ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሱዳን ክሰግሩ'ዮም ደልዮም ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣውዒሎምዎም" ክብል ሳጅን እንዳልካቸው ተዛሪቡ።

ፖሊስ ዋላ'ኳ እተን ተሽከርከርቲ ከምቲ ዝተጠርጠረ ኮይኑ እንተዘይረኸቦ "ታርጋ ቁጽሪ እተን መካይን ብግረሶ ክሽፈን ምግባሩ ካሊእ ምኽንያት መጠርጠሪ ከምዝነበረ" እቲ ሳጅን ኣረዲኡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እተን ሓሙሽተ መካይን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን ብኣካላት ምምሕዳር እቲ ከባብን ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ብሓባር ከይዲ ምጽራይ ይግበረለን ከምዘሎ ዝገለጸ ሳጅን እንዳልካቸው ዝጸዓንኦ ድማ ኣጽዋር ኵናት ከምዝኾነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እተን መካይን ወተሃደራዊ ክዳን ብዝተኸደኑ ውሑዳት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ተዓጂበን ይሓልፋ ከምዝነበራ ይገለጽ ድኣ'ምበር ሳጅን ኣብዚ ጉዳይ ምሉእ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

"ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ዕግርግር ዋላ ሓንቲ ናይ ጸጥታ ሽግር ኮነ ስርቂ ኣይተፈጸመን" ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።

እንታይነት እተን መካይንን ናበይ ይጓዓዛ ከምዝነበራን ምጽራይ ይግበር ከምዘሎ ዝሓበረ ሳጅን እንዳልካቸው፡ "ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዛዕባ እተን መካይን ዝፈልጦ ነገር ከመዘይብሉ ሓቢሩና እዩ" ኢሉ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ተወሳኺ መረዳእታ ንምርካብ ናብ ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታን ምምሕዳርን መተማ የውሃንስ ኢንስፔክተር ይናገር ደዊልና ካብቲ ናይ ሳጅን እንዳልካቸው ዝተፈለየ ሓበሬታ ከምዘይብሉን እተን መካይን ሓለዋ ይግበረለን ከምዘሎን ሓለፍቲ ክልልን ዞባን ናብቲ ከባቢ ኣምሪሖም ምጽራይ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

ሕጋዉነት እተን መካይን ዘርኢ ደብዳቤ ከምዘለዎም ዝሓበረ እቲ እንስፔክተር ዛጊድ ግን ሕጋውያን ምዃኖምን ዘይምኳኖምን ምርግጋጽ ከምዘይተኻእለ ኣረዲኡ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ዝተፈጠረ ናይ ጸጥታ ጸገም ኮነ ናብ ሱዳን ዝግበር ጉዕዞ መካይን ከምዘይተቛረጸ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልቲኦም ሓለፍቲ ፖሊስ ተዛሪቦም።

ብዛዕባ እተን ብነበርቲ ከተማ መተማ የውሃንስ ደው ክብላ ዝተገደዳ መካይን ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሚኒስትሪ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ደዊልና ቴሌፎን ስለዘይተልዓለ ኣይሰመረልናን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት