ዘ ሮክ ንነዊሕ እዋን ኣፍቃሪቱ ንዝነበረት ሎረን ሃሽየን ተመርዕዩ

ዳውየ ጆንሰን ምስ በዓልቲ ቤቱ ላውረን ሃሻን Image copyright Getty Images

ህቡብ ተጓሳጣይን ተዋሳእን ዓለምና ዘ ሮክ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣፍቃሪቱ ዝነበረት ሎረን ሃሽየን ተመርዕዩ።

እቲ ጽንብል መርዓ ኣብ ሃዋይ ዝተባህለት ክፍለ ሃገር ኣመሪካ ብሰንበት መዓልቲ እዩ ተኻይዱ።

እዚ ወዲ 47 ዓመት ዝኾነ ስነ-ጥበባዊ፡ ብኢንስተግራም ኣቢሉ እዩ ነቶም 154 ሚልዮን ተኸተልቱ ብዛዕባ እቲ መርዓ ኣበሲርዎም።

እቶም መጻምድቲ ካብ 2006 ጀሚሮም እዮም ኣብ ፍቅሪ ዝጸንሑ ኮይኖም፤ ክልተ ቆልዑት ኣለውዎም።

እቲ ኣብ እንስተግራም ዝዘርግሖ ስእልታቱ፡ ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት ብሚልዮናት ሼር ተገይሩ።

"ኣድህቦ ስነ-ጥበብ መሳርሒ ማሕበራዊ ህይወት ምዃን'ዩ"

ትረኻን ትሕዝቶን ስራሓት ስነ ጥበብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ካበይ ናበይ?

ንሱ ካብ ዓለምና ዘለው ውሩያት ተዋሳእቲ ሓደ እዩ። ኣብ ፊልም ዓለም ዝሰርሑ ካልኦት ህቡባት ተዋሳእቲ ድማ ርሑስ ጋማ ኢሎሞ።

ሎረን ሃሽየን መን እያ?

ሎረን ሃሽየን ካብ ሙዚቀኛታት ስድራ-ቤት እያ ተወሊዳ። ንሳ'ውን ሙዚቀኛ ብምዃን ሒደት ደርፍታት ክትደርፍ ኪኢላ።

እዚ ን ዘ ሮክ ካልኣይ መርዕኡ ኢዩ። ንሱ፡ ንዳኒ ጋርስ ኣብ 1993 ተመርዕዩ፡ ሓደ ሲሞነ ዝተባህለ ወዲ 18 መንእሰይ ካብታ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ኣለዎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት