ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ ኪስማዮ ከይትዓልብ ተኸልኪላ

ካርታ ቀርኒ ኣፍሪቃ

'ወተሃደራት ጽዒና' ዝተብሃለት ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ፡ ኪስማዮ ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ወጢና እኳ እንተነበረት፡ ምክልኻል ሓይልታት ኬንያ ደገፍ ብዝገብሩሎም ክልላዊ ወተሃደራት ጁባላንድ ከይትዓልብ ከምእተኸልከለት መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

እታ ነፋሪት 'ልዕሊ 90 ዝኾኑ ወተሃደራት ጽዒና ነይራ' ዝተብሃለ ክኸውን ከሎ፡ እታ ነፋሪት ብዛዕባ ጉዕዞኣ ቀዲማ ሓበሬታ ስለዘይሃበት ከይትዓልብ ከምዝተኸልከለት ይግለጽ።

ካብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል፡ ጎዴ ካብ ዝበሃል ቦታ ዝተበገሰት እታ ነፋሪት፡ ኣብ ጁባላንድ ከይትዓልብ ምስተኸልከለት ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማልያ ኣምሪሓ ኣብ ባይዶዋ ከምዝዓረፈት ተገሊጹ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኪስማዮ ዝሰርሕ ውልቀሰብ፡ እታ ነፋሪት ካብ ኢትዮጵያ ከምዝተበገሰትን ናብ ባይዶዋ ምኻዳን ንሮይተርስ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ እታ ነፋሪት ስቪላዊት ድያ ወተሃደራዊት ክሳብ ሕጂ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

"እታ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኪስማዮ ክትዓርፍ ደልያ ነይራ፤ ግን ከኣ ቀዲማ ሓበሬታ ስለዘይሃበት ክትዓልብ ኣይተፈቐደላን" ኢሉ።

ኣብቲ ከባቢ፡ መጻኢ ሓሙስ መረጻ ክካየድ ውጥን ዘሎ ኮይኑ፡ ብምክንያት እዚ መረጻ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያን ኣመሓደርቲ እቲ ክልልን ዘይምርድዳእ ኣሎ።

ክልላዊ ሓይልታት ጁባላንድ ብመንግስቲ ኬንያ ድጋፍ ዝግበረሎም ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ይዝረብ።

እታ ነፋሪት ኣብ ኪስማዮ ከይትዓልብ ዝተኸልከለትሉ ምኽንያት በዚ ኣብ መንጎ ክልላውን ፌደራላውን መንግስታት ዘሎ ምስሕሓብ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ዳስላን ዝበሃል ናይ ውልቀ ሬድዮ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ክገልጽ እንከሎ፡ መግለጺ ናይቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘሎ ንሕንሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ዝወዳደር ዘሎ ፕረዚደንት ጁባ ላንድ አሕመድ መሓመድ ማዶቤ፡ መሻርኽቲ ኬንያ ክኸውን ከሎ፤ ኢትዮጵያ ድማ ፈታዊት ናይቲ ኣብ ሞቓድሾ ዘሎ ፌደራላዊ መንግስቲ እያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት