ቡርኪና ፋሶ፡ 10 ወታሃደራት መንግስቲ ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ፍርቂ ክፋል ወታሃደራ ቡርኪና ፋሶ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀጻሊ መጥቃዕቲ እስላማውያን ኣብ ለዕሊ ሰራዊት ቡርኪና ፋሶ ጸቕጢ ፈጢሩ'ሎ

ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪና ፋሶ ብውሕዱ 10 ወታሃደራት መንግስቲ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብቲ ምስ ማሊ ዝዳውብ ዞባ ሶም፡ ኮቱጉ ዝተባህለ ቦታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ካልኦት ቀሲሎም ኣለዉ።

ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ወታሃደራት ከም ዘለዉ'ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

"ከም ግብረመልሲ ናይቲ ባርባራዊ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ሓያሎ ኣጥቃዕቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ንምግባር ሰፊሕ ናይ ኣየርን ምድርን ናይ ዳህሳስ ስርሒት ይካየድ ኣሎ" ክብል እቲ ብሰራዊት እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ተዛሪቡ።

ብእስላማውያን ዕጡቓት ዝካየድ ጎንጺ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ይብርኽ ከም ዘሎን፡ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ክፋላት እታ ሃጋር ሰለስተ ቀንዲ እስላማውያን ጉጅለታት ግንባር ፈጢሮም ከም ዘለዉን ይፍለጥ።

ብሰንኪ እቶም መጥቃዕትታት፡ ዛጊት ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ልዕሊ 150 ሺሕ ሰባት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ከም ዝተፈናቐሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቶም መጥቃዕትታት ካብታ ሃገር ወጻኢ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዞባ ሳሕል ዝርጋሐ ከም ዘለዎም ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ሰሜናዊ ክፋል፡ ሓይልታት ጸጥታ ንምንቅስቓስ ዝድርትን ናይ ገዛውቲ ተፍትሽን ከካይዱ ስልጣን ዝህብ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተኣዊጁ ነይሩ።