ኢጣልያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጒሰፐ ኮንተ ስልጣኑ ከረክብ ምዃኑ ገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጒሰፐ ኮንተ ኣብ ሰነት Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጒሰፐ ኮንተ ንሰነት እታ ሃገር መደረ እናስምዐ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጒሰፐ ኮንተ፡ ምስ መላፍንቱ ዝኾነ መራሒ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ማትዮ ሳልቪኒ ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ካብ መዝነቱ ክወርድ ከም ዝወሰነ ገሊጹ።

ንሱ፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ወረቐት ምልቃቕ መዝነቱ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ከረክብ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሎሚ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ "ዘይሓላፍነታዊ" ዝበሎ የማናዊ ሳልቪኒ፡ "ንውልቃዊን ንናይ ሰልፊ ረብሓን" ክብል ንኢጣልያ ኣብ ፓለቲካዊ ቅልውላዉ ኣእትዩዋ ክብል ነቒፉ።

እቲ መራሒ ሰልፊ ሃገራዊ ሕብረት (ናሸናሊስት ሊግ) ዝኾነ፡ ማትዮ ሳልቪኒ፡ ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ እምነት ምጉዳል ጠለብ ናብቲ ሰነት ኣቕሪቡ'ሎ።

ሳልቪኒ፡ ምስ ሓደ 'ፋይቭ ስታር' (ሓሙሽተ ኮኾብ) ዝተባህለ ኣካል ናይቲ ልፍንታዊ መንግስቲ ዝኾነ ካልእ ሰልፊ ሓቢሩ ክሰርሕ ከም ዘይክእል'ውን ተዛሪቡ።

እቲ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፍን፡ ኣንጻር ስሩት ረብሓታት ዝቃለስ ምንቅስቓስ ፋይቭ ስታርን፡ ቅድሚ 14 ኣዋርሕ'ዮም ልፍንታዊ መንግስቲ ብምምስራት፡ ነቲ ብውልቁ ዝሰርሕ ጒሰፐ ኮንተ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ተሰማሚዖም።

ኣብቲ ንሰነት ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ የማናዊ ሚኒስትር፡ ምስ ሩስያ ርክብ ከም ዘለዎን፡ ንጸጥታን ቁጠባን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ የእትዋ'ሎ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንተ ነቒፉ።

ብርእይቶኡ፡ እቲ ሚኒስተር ምኽንያት ብምፍጠር ናብ ምርጫ ክኣቱ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ምዃኑ'ውን ከሲሱ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ምርጫ እቲ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ 34% ድምጺ ብምርካብ እቲ ዝለዓለ ክኸውን እንከሎ፡ መላፍንቱ ዝኾነ ፋይቭ ስታር ብወገኑ 17% ረኺቡ ነይሩ።

ኣብቲ ማትዮ ዝጥቀመሉ "ሃይማኖታዊ ኣርማታትን ፓለቲካዊ ጭሮሖታትን" ተቓውሞ ከም ዘለዎ'ውን ጒሰፐ ኮንተ ኣይሐብአን።

"በዚ ኣጋጣሚ ካብ ምዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ክወርድ ምዃነይ ዝገልጽ ወረቐት ንፕረዚደንት ሃገር ከቐርብ ምዃነይ ከፍልጥ እደሊ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ኢሚግረሽንን ተሪር መርገጺ ዘለዎ ሚኒስተር ሳልቪኒ ብወገኑ፡ ንነቔፈታ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምንጻግ "ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንግስቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ድሕነት ኢጣልያ ኣውሒሰ'የ" ክብል ተዛሪቡ።

ዋላኳ እቲ ንሱ ዝመርሖ የማናዊ ሰልፊ ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸበ እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ዘኽእሎ ኣይኮነን።

ስለዚ ድማ፡ እቲ ሓላፍነት ኣብ ኢድ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሰርጂዮ ማታረላ ወዲቑ'ሎ። ንሱ፡ ንዝተፈላለያ ሰልፍታት ኣላዚቡ ልፍንታዊ መንግስቲ ከም ዝቖውም ክገብር እንተ ዘይኪኢሉ፡ እቲ ኩነታት ናብ ሃገራዊ ምርጫ ከምርሕ ይኽእል'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ነበርን መራሒ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ዝኾነን፡ ማትዮ ረንዚ ብወገኑ፡ እቲ ምስ ሕሉፍ የማናዊ ኣራኣእያ ዘለዎ ሳልቪኒ ደዉ ክብል ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ናብ ንጡፍ ፓለቲካ ተመሊሱ'ሎ።

ይኹን 'ምብር መራሒ ፋይቭ ስታር ዝኾነ ሉዊጂ ዲ ማዮ፡ ምስ ረንዚ ክላዘብ ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ ንሓድሽ ምርጫ ከም ዘይፈርሕ ገሊጹ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት