መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣሰሮ ጋዜጠኛ ምስጋናው ጌታቸው ክፈትሕ ሲፒጄ ሓቲቱ

ኣርማ ሲፒጄ Image copyright CPJ

ሰብ መዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፍርዲ ቃለመሕተት ክገብር እንከሎ ንዝኣሰርዎ ጋዜጠኛ ምስጋናው ጌታቸው ብህጹጽ ክፈትሑ፡ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ 'ሲፒጄ' ዝበሃል ትካል ሓቲቱ።

ምስጋናው፡ ናይ ጋዜጣ 'ኢትዮጲስ' ጋዜጠኛ ክኽውን እንከሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍ ደገ ቤት ፍርዲ 'ልደታ' ንጠበቓ ሄኖክ ኣክሊሉ ቃለ መሕተት እናገበረ እንከሎ እዩ ተኣሲሩ።

እቲ ጋዜጠኛ፡ ብሕጊ ሽበራ ተኸሲሱ ምህላዉ ዋና ኣሰናዳኢ ናይታ ጋዜጣ፡ እስክንድር ነጋ ተዛሪቡ።

ሄኖክ ኣክሊሉ ከምዝበሎ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብሕጊ ሽበራ ተኸሲሶም ብዛዕባ ዝርከቡ ክልተ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ጥርጡራት እናሓተቶ አንከሎ እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።

እቲ ጋዜጠኛ ኣብ መነጸሩ ብዝተገጠመ ካሜራ ነቲ ቃለመሕተት እናሰኣለ ምንባሩ እስክንድር ነጋን ሄኖክን ተዛሪቦም። እስክንድር ከምዝበሎ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብቕሉዕ ካሜራ ሒዙ ከይቀርጽ ስግኣት ስለዝሓደሮ እዩ በዚ መገዲ ተጠቂሙ ክስእል መሪጹ።

ፖሊስ ፌደራል፡ እቲ ጋዜጠኛ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ክስእል እንከሎ እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ እኳ እንተበለ፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ግን ምስቲ ኣብ ኣምሓራ ክልል ተፈቲኑ ዝተብሃለ 'ዕልዋ መንግስቲ' ብዝተኣሳሰር ከምዝተቐየደ እዩ ገሊጹ።

ተወካሊ 'ሲፒጄ' ኣብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ፡ ሙቶኪ ሙሞ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ክፈትሑን፡ ንሕጊ ሽበራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ፡ ከምኡ ድማ መሰል ምርካብ ሓበሬታን ናይ ምዝራብ ናጽነትን ዝሕልዉ ናይ ሕጊ ምምሕያሻት ክገብሩን ጸዊዑ።

ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣይተ ዝናቡ ቱኑ፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛ ምስጋናው ብዝምልከት ንሲፒጄ ክዛረብ እንከሎ "ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስትን ቅትለት ሹም ኢታማዦር ሓይልታት ምክልኻልን ብዝተኣሳሰር ተሳትፎ ከምዘለዎም ዘእምን ጥርጣረ ኣሎ" ኢሉ።

ማእሰርቱ ምስ ሞይኡ ዝተኣሳሰር ከምዘይኮነ ድማ ተዛሪቡ።

ጋዜጠኛ ምስጋናው ቅድም ክብል'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ 'ኣራት ኪሎ' ዝፈረሱ ኣባይቲ ዝምልከት ጸብጻብ እናሰርሐ እንከሎ፡ ንሓጺር እዋን ተታሒዙ ብወሓስ ከምዝወጸ ሲፒጄ ይገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት