ኢራናውያን ውሩያት ሰባት፡ መገዲ ከይዕጸዎም ብኣምቡላንስ ይጓዓዙ

ኣብ ኢራን፡ ኣምቡላንስ ንሕሙማት ጥራይ ከጓዓዕዛ እዩ ዝፍቀደለን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኢራን፡ ኣምቡላንስ ንሕሙማት ጥራይ ከጓዓዕዛ እዩ ዝፍቀደለን

ውሩያት ሰባት፡ ብብዝሒ ተሸከርከርቲ መገዲ ከይዕጸዎም፡ ብኣምቡላንስ ከምዝጓዓዙ ተገሊጹ።

ኣብ ኢራን፡ ከተማ ቴህራን ናይ ውልቀ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ናይ ዝህብ ትካል ሓላፊ ዝኾነ ሞጂታባ ሎሃራስቢ፡ ውሩያት ሰባት ናይታ ሃገር መገዲ ከይዕጸዎም ብኣምቡላንስ ከምዝጓዓዙ ግንድማ "እቲ ኩነታት ክንድቲ ሰባት ዝብልዎ ዝተጋነነ ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ቴህራን፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ብጥቡቕ ቁጽጽር ክግበረሉ ኣዚዙ'ሎ።

ሎሃራስቢ ከምዝበሎ፡ መገዲ ከይዕጸዎምን ቀልጢፎም መታን ክበጽሑን ክብሉ ኣምቡላንስ ዝጥቀሙ "ውሩያት ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን" እኳ እንተበለ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።

ኢራናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ነቲ ኩነታት ነቒፎም። እንተኾነ፡ ሰባት በዚ ሓሪቖም ሕሙማት ንዝጸዓና ኣምቡላንሳትን ሓቀኛ ኣገልግሎት ንዝህቡ ሰባትን ከየንከላብቱ ተማሕጺኖም።

"ንኣምቡላንስ ቀዳምነት ምሃብ ግድን እዩ፤ ዋላ ሕሙም ኣብ ውሽጣ ናይ ምህላው ተኽእሎ 1% ጥራይ እንተኾነ" ኢሉ ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት