ኤርትራውያን ተቐማጦ ስቶክሆልም፡ ኣብ ግብጺ ዝተኣሰሩ ኤርትራውያን ክፍትሑ ሓቲቶም

ሰለማዊ ሰልፊ Image copyright Semhar

ኤርትራውያን ተቀማጦ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ግብጺ ተኣሲሮም ዘለው ኤርትራውያን ክፍትሑ፡ ኣብ ሊብያ ዘለው ስደተኛታት ጉዳዮም ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክረክብ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ብረቡዕ ኣብ ፊት ኤምባሲ ግብጽን፡ ቤት-ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታትን እዩ ተኻይዱ።

እቲ ሰልፊ፡ ነቶም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ ግብጺ ካይሮ ዝተኣስሩ 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኽፍትሑ ዝጽውዕን፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት ሊብያ ዝሳቐዩ ዘለው ስደተኛታት ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ንምርካብን ዝዓለመ እዩ ነሩ።

ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ሰምሃር ገብረስላሰ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዘሃበቶ መብርሂ፡ ኣብ ኤምባሲ ግብጺ ምስ ሓላፊ ፖሎቲካዊ ጉዳያት ብዛዕባ እቶ 5 ተኣሲሮም ዘለው ስደተኛታት ብዓሙቝ ከም ዝተዘራረቡ ሓቢራ።

እቲ ሓላፊ ፖሎቲካዊ ጉዳያት፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘለዎን፤ ብመንግስቲ ግብጺ ንኽፍትሑ ይስራሕ ከም ዘሎን ሓቢርዎም። ወሲኹ ድማ፡ እቶም 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንኤርትራ ከም ዘይጥረዙ ከምዘረጋገጸሎም ሰምሃር ሓቢራ።

ሰምሃር ከም ዝበለቶ፡ ኤምባሲ ግብጺ ነቲ ዘእትውዎ ወረቀት ናብ መንግስቲ ግብጺ ከም ዝሰዶ ሓቢርዎም።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ በቶም ኣብ ሊብያ ተዳጉኖም ዘለው ስደተኛታት ዝተጻሕፈት መልእኽትን ካልእን፡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዘረከቡ ስምሃር ንቢቢሲ ገሊጻ።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ዝገጥመን ዘሎ ናይ መሰል ምግሃስን ጾታዊ ጥቕዓትን ብዝምልከት ምስቲ ቤት-ጽሕፈት ዝተዘራረቡ ኮይኖም፡ ዘድሊ ሓገዝ ክግበረለን ጻውዒቶም ኣቕሪቦም።

ወኪል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ድማ፡ ኩሉ ዝከኣሎም ከምዝገብሩ ሓቢሮሞም።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ ግብጺ ካይሮ፡ ሓያለ ኤርትራውያን፡ "ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይና ኣቓልቦ ኣይሃቦን" ብምባል፡ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈቱ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ፡ ወከልቶም ብፖሊስ ግብጺ ከም ዝተቐየዱ ዝዝከር እዩ።

እቲ ብፖሊስ እታ ሃገር ቀሪቡሎም ዘሎ ክሲ 'ዘይሕጋዊ ሰለማዊ ሰልፊ ገይርኩም፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ንሰለስተ ሰለማውያን ሰባት ሃሪምኩም' ዝብል እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት