ንኤርትራ ኣብ ሓደ ቅርዓት ዝሓቖፈ ክብረ በዓል

ካብ ሃገራዊ ፌስቲቫል ኤርትራ 2019

ዓመታዊ ፌስቲቫል ኤርትራ: ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰፊሕ ካንሸሎ ንምልእቲ ኤርትራን ህዝባን ዝገልጽ ምርኢት ዝቐርበሉ በዓል እዩ።

እቲ ናይ ሎሚ ለብዘበን ክብረበዓል ካብ 16 ክሳብ 22 ነሓሰ ኣብ ኤክስፖ ኣስመራ ንሓደ ሰሙን ክካየድ ቀንዩ ትማሊ ምሸት ተዛዚሙ።

ንትሽዓቲኤን ብሄራት ኤርትራ ዝሓቑፋ ሽዱሽተ ዞባታት ኣለዋ። ኣብ ኤክስፖ ነብሲወከፍ ዞባ ዝሕዝኦ ከባቢ ከኣ ቁሸት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ንኣብነት: ቁሸት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ: ገዛ ብሄረ ትግረ: ገዛ ራሻይዳ: ገዛ ብሄረ ሳሆን ገዛ ዓፋርን ይሓቁፍ። ቁሸታት: ይገልጸና ካብ ዝብለኦም ጸጋታት ቀዲሐን ብምምጻእ ንህዝቢ የአንግዳ።

ዘይነብ ኣልኣሚን ተወላዲት ብሄረ ትግረ ኢያ:: ምሉእ ንብረት ገዛ መርዓትን ሓማትን ሒዞም ብምምጻእ ንምርኢት ከምዘቕረቡዎ ብዝርዝር ኣላልያትኒ። ወለዶም ንዘበናት ዝግልገልሉ ዝነበሩ ካብ ቆርበት: ካብ ገረብን ኣርግሀን ዝተሰርሑ ናውቲ ገዛ ሒዞም ብምምጻእ፡ እሞ ድማ ብመሳጢ ኣቀራርባ ትውፊቶም ይገልጹ።

እቶም ብሄራት ኣብ ገደና ኤክስፖ ጽባሕ ዝፈርሱ ኣባይቲ ኣይኮነን ሃኒጾም:: ምሉእ ናውቲ ሒዞም ብምምጻእ ብኣገባብ ዝነብርሉ ገዛውቲ ሃኒጾም ኣብኡ ድማ ይነብርሉ ቀንዮም።

ኣብታ ተሸንሺና ዝተወሃበቶም ቁሸት: ምግቢ የሰናድኡ: ይሰግዱን ይድቅሱን:: ጥሪቶም እውን ኣጣል: ኣግማልን ኣፍራስን ብኣካል ሒዞም እዮም ቀሪቦም።

ኮታስ ንምርኢት ዝቐረበ ዘይኮነስ ህይወት ዘለዎ ትሕዝቶ ሒዞም እዮም ክነብርዎ ቀንዮም።ንዞባታት ማእከልን ደቡብን ዝወከሉ መናእሰይ ተወለድቲ "ብሄረ ትግርኛ" እቶም ኣወዳት: ሓጺር ስረ መሊሶም: ስግስግ ንዝበለ ጉተናኦም ሰንቲሮም: ሚዶ ዕንጸይቲ ኣብ ኩልሳስ ጸጒሪ ርእሶም ተኺሎም ብሓቂ ንወለዶም መሲሎም ይራኣዩ።

ኣዋልድ: ካብ ጽፍሪ እግረን ክሳብ ጸጒሪ ርእሰን ብባህላዊ ኣልባሳት ማዕሪገን ጸሓይ ዝተጸልወ ከበሮ ክወቕዓ ኣቤት ከጥዕመለን።

ምስቲ ህልም ዝበለ ቁነአን ብቐምሽን መቐነትን ወቂበን ክሳደን ክሳብ ዝልወያ እንትለሀያ ኣጋይሽ ከቢቦም የቋምቱ።እቶም መናእሰይ: ባህሎም ምንጽብራቕ ጥራሕ ዘይኮነስ: ከም ብዋዛ ኣምሲሎም ዘርእይዎ ዕልቕን ጸወታን ኣብ መንጎኦም ንዘሎ ፍቕርን ስኒትን ኩልዕ ኣቢሉ የርእየካ።

ነብሲ ወከፍ ብሄር ንርእሱ ዝገልጸሉ ጸጋን ሽሻይን መንነቱ ሒዙ ምቕራቡ፡ ኤርትራ ኣብ ምዕቃብ ምውርራስ ማዕረ ክንደይ ትግደስ ምህላዋ ዝነግር ሓቂ እዩ::ማይ ዘበናውነት ዘይሓለፎም ናውቲ ሙዚቃ: ናውቲ ማሕረስ እሞ ድማ ኣብ ህድሞ ቀሪቡ ክትርኢ ብዓይነ ሕልናኻ ናብ ዓዲ ትወርድ።

ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ: ዓውደ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን እውን ብዓበይትን ብቖልዑን ቀሪቡ ተራእዩ እዩ። ውጽኢት ሳይንስን ቴክኖሎጂን መምርሒ ትምህርቲ ቋንቋን እሞ ከኣ ብቕልል ዝበለ ኣንፈትን መገዲን ተዳልዩ ንምርኢት ቀሪቡ እዩ።

መሃዝቲ ንውልቀኦምን ንዞቦኦምን ወኪሎም: ውጽኢት ስርሖም ብምሓዝ ንዘዝሓለፈ ጋሻ ጎረሮኦም ክሳብ ዝነቅዕ ብምዝራብ ንኣጋይሽ መብርሂ ሂቦም። ካብ ብደረጃ ኣፍሪቃ ራእይ ኣሚቱ ክሳብ ሮቦት ምምሃዝ ዝበጽሐ ፍርያት ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም።

ኣብ ሸነኽ መጽሓፍቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ሃሰስ ኢልካ ፍጹም ዘይትረኽቦም ካብ 'ፍቅር እስከ መቃብር' ክሳብ ታሪኽ ህይወት መንግስቱ ሃይለማርያም ዘዘንትዉ መጽሓፍቲ ርኢና።

ሓንሳብ ናብ ኤክስፖ ምስኣተኻ፡ ምግብን መስተን ዘሰናድኡ: ንቖልዑ መጻውትቲ ዝውዕል ማእከል መዘናግዒ እውን ኣሎ። ሃገር ኣብ ሓንቲ ቀጽሪ መረባ በቚላ እናረኣኻ ሓንሳእ ኣቲኻ ውጻእ ኣይመጽኣካን።ኩሉ ኣብያተ ስድራ: ህጻውንቲ ደቁ ከይተረፈ ሒዙ ብምምጻእ ክመሃሩን ርጋጽ እግሪ ወለዶም ንኽስዕቡ የተባብዖም።

እቲ ኣብ መንጎ ብሄራት ተፈጢሩ ዘሎ ንሕንሕ: መናእሰይ ያታ ወለዶም ክፈልጡ ከም ዝሕግዞም ሓደን ክልተን የብሉን።ፌስቲቫል ኤርትራ 2019: ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተኸፊቱ: ኣብ መዛዘሚ መድረኽ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ኣደራሽ ንተሳተፍቲ ክብርን ስልማትን ብምብርካት ተዛዚሙ።

ሽዱሽትአን ዞባታት ናብቲ ኣደራሽ ምስ ኣተወ ውጽኢት ክሰምዑ ኩሉ ከብዱ ሓቝፉ ተጸበ ኮነ። ኣብቲ ፌስቲቫል ብግጥሚ: ብኣናብባ ግጥሚ: ብዋዛ: ብልበ ወለድ: ብትልሂት: ብቕብኣን ቅርጽን እውን ተወዳዲሮም።

ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይኖም ንዝተዓወቱ ወረቐት ተሳትፎን ስልማት ገንዘብን ተዋሂቡ።ብድማር ውጽኢት ባህላዊ መግለጺ መን ስዒራ ትስለም ዝብል ዝያዳ ንብዙሓት ኣሻቐለ።

ኣብ መወዳእታ: ቀዳመይቲ ዞባ ማእከል: ካልአይቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ: ሳልሰይቲ ከኣ ዞባ ደቡብ ኮይነን ተዓዊተን።ውጽኢት ምስተነግረ: ኣደራሽ ብሓንቲ እግራ ጠጠው በለት። ዝሕጎስን ዝኹርን ማዕረ ነቢዖም። ዞባ ማእከል ተሓናጊሮም ብዓወት ተደፊኦም ናብ መድረኽ ዘሊሎም ብምእታው ብኹዳ ሳዕስዒትን ዕልልታን ምዝዛም እቲ መድረኽ ዕላዊ ኮይኑ። ሃገራዊ ፌስቲቫል ኤርትራ 2019: ብሰላምን ፍቕርንኀ ብሳዕስዒትን ሓቢርካ ብምብላዕን ምስታይን ብሓጎስን ድምቀት ክካየድ ቀንዩ ትማል ተዛዚሙ።