ካብ ሶማሊ ላንድን የመንን ዝመጽአ ኣንበጣ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኢትዮጵያ ተራእዩ

አንበጣ Image copyright Getty Images

እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ኣንበጣ ዕበቱ ዝወደአ እዩ። ይኹን እምበር እንቋቑሖ ጸፍዩ ኩብኩብታ ክፈጥር ስለዝኽእል፡ ሓደጋ ከብጽሕ ከምዝኽእልን ብሕጂ እውን ሓዲሽ ዕስለ ክመጽእ ከምዝኽእልን ኣብ ትሕቲ ምኒስተር ሕርሻ፡ ዳይረክተር ሓለዋ ኣግራብን ኣቶ ዘብዴዎስ ሰላቶ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

"ዕብየቱ ዝወደአ ኣንበሳ ብዙሕ ኣይበልዕን እዩ" ዝበሉ እቶም ዶክተር እቶም ሓደስቲ ዝጫጭሑ ኣንበጣ ግን ብዙሕ ዘራእትን ዕጸዋትን ስለዘብርሱ ንምጥፈኦም ሓያል ጻዕሪ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ኣብቲ እቲ ኣንበጣ ዝተራእየሎም ክልላት፡ ሶማሌ፣ ኦሮሚያ ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ፣ ኣብ ዓፋር፣ ድሬዳዋን ቅድመ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።ነበርቲ እቶም ከባቢ ደቆምን ጥሪቶምን ክሕልው ምኽርን ሓበሬታንኀ ነቶም መድሃኒት ዝነጽጉ ከኣ ኣድላይ ስልጠናን ይወሃቦምን መሳርሒታት ይቕረብ ከምዘሎን ኣረዲኡ።

እቲ ኣንበጣ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወሉ ጠልን ሓምላይ ቆጽልን ንክረኽብ ኣንፈት ንፋስ ተኸቲሉ ከምዝመጽአ እቶም ዳይረክተር ሓቢሮም። ኣብ ምቹእ ቦታ እንቋቝሖ ኣንበጣ ተጸፍዩ ንክዓቢ 10 መዓልታት ጠሊ ኣብ ዘለዎ ከኣ ካብ 17-60 መዓልታት ከምዘድልዮ እቶም ኪኢላ የረድኡ።

ክሳብ 50 መዓልታት ከኣ መንገብገብ ስለዘየውጽእ፡ ከይነፈረ ኣብ ባይታ እንከሎ ክትቆጻጸሮ ቀሊል ምዃኑ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ሓረስቶት ከባቢ ከኣ ዝኾነ ምልክት ክርእዩ እንከለው ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ሓለፍቲ ሕርሻ ክሕብሩ ተማሕጺኖም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት