አሸንዳ-ትግራይ፡ ብደቀንስትዮ ዝወቀበት ከተማ መቐለ

ናይ ምስሊ መግለጺ ቖልዑ መቐለ

ኣዋልድ፡ ዓሚ ኣብ ቅነ ኣሸንዳ፡ ከምዝተመነየኦ፡ ብጸጋ ጥዕና ንዘጽንሐን ፈጣሪ እናመስገና፡ "ኣሸንዳዋይ ና'ዓሚ ና'ዓሚየ ተጋኒና ሎሚ'የ" ኢለን እናደረፋ ንከተማ መቐለን ወርሒ ነሓሰን ብጓይላን ደርፍን ኣድሚቐንኣ ኣለዋ።

እታ ከተማ ዓመታዊ ንእተብዕሎ "መዓልቲ ድያስፖራ ትግራይ" ኣኽቢራ፡ ኣጋይሻ መሊኣ ከየፋነወት እያ "መጸት መጸት ኣሸንዳ ዕምበባ መጸት'' ብዝብል መቓልሕ ደቃ በዓል ኣሸንዳኣ ተቐቢላ ዘላ።ጎደናታት መቐለ ብበይኑ ዓይነት ሕብሪ ከዳውንቲ ዝተኸድናን ብመመላኽዒ ዘጌጻን፡ ኣብ ክሳደን በዓል-መስቀል ማዕተብ ኣሲረን፡ ጸጉሪ ርእሰን ዘው ኣቢለን እናተነሳነሳ 'ኣነባ ኣነባ ይበልጽ' ዝበሃሃላ ዘለዋ ክመስላ በብዓቕመን ተሰላሊም ንጎደናታት ከተመአን ሸናዕ ይብላሉ።

ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ከኣ፡ ኣብ ናይ ኣጋር መንገዲ ጸግዐም ሒዞም፡ እንተስ ንሰነድ እንተስ ንኣድናቖት በብሞባይሎም ክስእሉወን ይርኣዩ። ከተማ መቐለ ብደቀንስትዮኣ ተዓብሊላ ደሚቓን ጎሊሓንንዓይኒ ከም ትማርኽ ቆንጆ ተሰላሊማ ኣላ።

እዚ ሻብዓይ ዓመት ሕልፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ንምዝካር ኣብ ሓወልቲ ሰማእእታት መቐለ፡ ብምትካል ፈልሲ ዝፈለመ በዓል፡ ዝተፈላለየ ንኡስ መደባት ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ትማሊ ብወግዒ፡ ኣብ ስታድዮም ባሎኒ መቐለ ተመሲሱ።

ብቲ በዓል ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽየን፡ ፕረዚደንት ፈዲራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሳህለ ወርቅን፡ ናይ ክልልን ፈዴራልን ላዕለዎት ሓለፍትን ተረኺቦም ነይሮም። ደቂ ኣሸንዳ ከኣ ንኣጋይሸን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረናሎም።

ዶክተር ደብረጽዮን ፡ ትግራይ ከም ኣሸንዳ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ሃብቲ ከም ዘለዉዋ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሳህለ ወርቅ ከኣ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ጻዕሪ ይካየድ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ዝረኸበኦ ክብርን ናጽነትን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ክሰፍሕ ተማሕጺና።

ብዓል ኣሸንዳ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን "ጾመ ፍልሰታ" ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል በዓል ደናግል እዩ። በዓል ኣሸንዳ ናይ ኩሉ ኣማኒ ክርስትና በዓል'ኳ እንተኾነ፡ ብፍሉይ ግና ሓዳር ዘይመስረታ ደናግል ደቂ ኣንስትዮ'የን እየን ዘኽብርኦ።

ትማል ብወግዒ ኣብ ዝተኸፈተ በዓል ኣሸንዳ ከኣ ኣብ ገዛ ዝተረፈት ጓል ኣንስተይቲ ዝነበረት ኣይመስልን።እተን ጎራዙ፡ 'ኣሸንዳ ኣሽንዳውየ ኣይቆልዓ እንድየክጻወት'የ" እናበላ ኣፍልበንን ሰለፈንን እናጠብጠባ ክዘላ ውዒለን።

ጽባሕ እውን ኣብ ስታድዮም ባሎኒ መቐለ ኣብ ሞንጎ ጉጅለታት ቖልዑ ኣሸንዳ ዝግበር ውድድር ተሰሪዑለን ኣሎ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ምፅብባቕ ጓል ኣሸንዳ