ደቡብ ኣፍሪቃ ንነፋሪት ታንዛንያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ታንዛንያ Image copyright IKULU

ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ታንዛንያ ዝኾነት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሉ፤ መንግስቲ ታንዛንያ ገሊጹ።

እታ ኤርባስ 220-300 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ጆሃንስበርግ ናብ ዳሬ ሰላም ክትበርር መደብ ተታሒዙላ ነይሩ።

እቲ ስጉምቲ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝተወሰደ ግልጺ ኣይነበረን፡ ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ርእይቶ ኣይሃቡን።

ኣብ ሕርሻ ዝነጥፍ ዝነበረ ሓደ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጡረተኛ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወት፡ መንግስቲ ታንዛንያ ንዕኡ ክኸፍሎ ዝግበኦ $33 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ብዘይምኽፋሉ ምዃኑ ይዛረብ።

እቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሓረስታይ ዝውንኖ ዝነበረ መሬት ብመንግስቲ ታንዛንያ ምስተሃገረ፡ እቲ ካሕሳ ክኽፈሎ ከምዝተወሰነሉ ሓደ ጠበቓ ገሊጹ።

ነቲ ጉዳይ ከጻርዩ፡ ናይ ታንዛንያ ጠበቓታት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣተዉ፡ ውሃቢ ቃል መንግስቲ ታንዛንያ ንቢቢሲ ገሊጹ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጋፉሊ

መገዲ ኣየር ታንዛንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ በረራ ካብ ዝጅመር ገና ክልተ ወርሒ ኣይመልኦን።

ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን መጉፉሊ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝውነን መገዲ ኣየር ካብ ውድቀቱ ኣልዒሉ ዕውት ክገብሮ ብዙሕ ፈተነታት እዩ ገይሩ።

ማጋፉሊ፡ ኣብ 2015 ክምረጽ እንከሎ፡ እቲ መገዲ ኣየር ሓንቲ ነፋሪት ጥራይ ነይራቶ። ብድሕሪኡ፡ ሾመንተ ሓደሽቲ ነፈርቲ ንምዕዳግ፡ ሚልዮን ዶላራት ወጻኢ ተገይሩ እዩ።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ታንዛንያ ኣብ ቀይዲ ክትውዕል ከላ፡ እዚ ናይ መጀመርያ እዋን ኣይኮነን። ኣብ 2017፡ ብምኽንያት ሓደ ናይ ካናዳ ኩባንያ ዘቕረቦ ናይ 38 ሚልዮን ዶላር ክሲ፡ ኣብ ካናዳ ሓንቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ታንዛንያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ነይራ።

እታ ነፋሪት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ታንዛንያን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ናይታ ሃገርን ብዝገበርዎ ልዝብ እያ ኣብ 2018 ክትልቀቕ ክኢላ። ሽዑ፡ ብዛዕባ ዝርዝር ናይቲ ዝተገበረ ስምምዓት ዝተብሃለ ነገር ኣይነበረን።