ናሳ፡ ኣብ ህዋ ተፈጺሙ ንዝተብሃለ 'ናይ መጀመርያ ገበን' የጻሪ ምህላዉ ገሊጹ

አን ማክሌን ካብ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር ክትምለስ እንከላ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ አን ማክሌን ካብ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር ክትምለስ እንከላ

ጠፈርተኛ አን ማክሌን፡ ኣብ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር ኮይና ናይ ዝተፋተሓታ መጻምዳ ሕሳብ ባንኪ ከፊታ ብምርኣያ እያ ትኽሰስ ዘላ።

እዚ ድማ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ህዋ ዝተፈጸመ 'ገበን' ኮይኑ ክምዝገብ ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ።

አን ማክሌን፡ ነቲ ሒሳብ ባንኪ ከፊታ ከምዝራኣየት ኣሚና፤ እንተኾነ እቲ ተግባር ቅኑዕ ምዃኑ ብምግላጽ 'ጌጋ ኣይፈጸምኩን' ከምዝበለት ኒውዮርክ ታይምስ ጸብጺቡ።

አን ማክሌንን ሰምር ዎርደንን፡ ኣብ 2014 ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዐአን ዝፈጸማ ኮይነን፡ ኣብ 2018 ድማ ተፈላልየን። አን ጠፈርተኛ ክትከውን ከላ፡ ሰምር ድማ ኣብ ሓይሊ ኣየር ናይ ስለያ መኮነን እያ።

ሰምር፡ ናብ ኮሚሽን ንግዲ ኣመሪካ ክሲ ምስኣቕረበት፤ እታ ተመራማሪት ናብ ምድሪ ተመሊሳ።

አን ማክሌን፡ ብጠበቓኣ ኣቢላ ንኒው ዮርክ ታይምስ ከምዝበለቶ፡ ቁጠባ ናይቲ ስድራ ውሑስ ከምዘሎ ንምርግጋጽን፡ ቅድሚ ፍትሕ ምፍጻመን ብሓባር ዘዕብየኦ ንዝነበራ ወደን ዘድልዮ ጠለባት ክማለኣሉ ዘኽእል እኹል ገንዘብ ከምዘሎ ንምርኣይ ዝገበረቶ ምዃኑን እያ ትገልጽ።

ኣብ ህዋ ሕጊ ብኸመይ እዩ ተግባራዊ ዝኸውን?

ኣብ ውሽጢ ዓለማዊ መደብር ምርምር ጠፈር፡ ሓሙሽተ ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት ምርምር ጠፈር ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፡ ናይ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ጃፓን፣ ሩስያን ናይ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳን ትካላት እዮም።

ኣብ ጠፈር፡ ሓደ ካናዳዊ እንተደኣ ገበን ፈጺሙ፡ ብሕጊ ካናዳ እዩ ዝኽሰስ፤ ሩስያዊ እንተኾይኑ ድማ ብሕጊ ሩስያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት