ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር ዪሻክ ሻሚር፡ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ይተኣሳሰር?

ዪሻክ ሻሚር Image copyright JENNIFER K. LAW

ዪሻክ ሻሚር - እቲ ሻብዓይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ እስራኤል - ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኸመይ ይተኣሳሰር? እቲ ሓጺር መልሱ 'ብማእሰርትን ብሰብ ምድሓንን' ኢዩ ክንብል ንኽእል። እወ፡ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ፡ እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ምስ ዞባና ዘተኣሳስር ታሪኽ ኣሎዎ።

ዪሻክ ሻሚር፡ ቅድሚ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ ንነዊሕ እዋን ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ እስራኤል ናጽነታ ምርካባ (ብ1948 ማለት'ዩ)፡ ሻሚር ሓያል ምስጢራዊ ጽዮናዊ ተጋዳላይ፡ እኳ ድኣ ፊዳኢን፡ ምንባሩ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ብዕሊ ምዝጉብ'ዩ።

ብ 1917፡ ግዝኣት እንግሊዝ ይዓብየሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ እንግሊዛውያን ንፍልስጥኤምን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእተዉዋ። ሽዑ ሻሚር ወዲ ክልተ ዓመት'ዩ ነይሩ፣ እስራኤል ትበሃል ሃገር ኣይነበረትን።

ሻሚር ግን ጕዳይን ኣሰቃቒ ሃለዋትን ኣይሁዳውያን ሽዓ ኢሉ ስለ ዝተረድኦ ካብ ንኡስ ዕድሚኡ ጀሚሩ ኣብ መሬት እስራኤል ንክነብር ጥራይ'ዩ ነይሩ ሕልሙ።

ዪሻክ ሻሚር ብ22/10/1915 ተወሊዱ ብ30/6/2012 ዝሞተ ሓያል ተቓላሳይን መራሕ መንግስትን ነበረ። ንሱ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኰይኑ ካብ 1983-1984፡ ደጊሙ ኸኣ ካብ 1986-1992 ዘገልገለ ዀይኑ እቲ ጽዮናዊ ዝምባሌታት ምንቅስቓሱ ካብ 1927፡ ብጊዜ ንእስነቱ'ዩ ጀሚሩዎ።

ብ1935፡ ኣብ ዕስራ ዓመቱ፡ እቲ ኣብ ከተማ ዎርሶው (ፖላንድ) ዝከታተሎ ዝነበረ ናይ ሕጊ ትምህርቱ ራሕሪሑ ድማ ንኽቃለስ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ ንፍልስጥኤም ተጓዕዘ።

ዪሻክ ሻሚር ኣባል ናይ'ቲ ብ 'ለሂ' ዝፍለጥ ብጁው፡ 'ዋህዮኣዊ' ዉድብ'ዩ ነይሩ። ዕላማ ናይቲ ዉድብ ንእንግሊዝ ብሓይሊ ካብ ፍልስጥኤም ኣውጺኦም ኣይሁዳዊት ሃገር ንክምስርቱ'ዩ ነይሩ። እንግሊዛውያን ከኣ ን 'ለሂ' ከም ጭፍራ ሽበራ ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም።

ኵነታት ስድራ-ቤት ሻሚር

ታሪኽ ዪሻክ ሻሚር ቅድሚ ሞት ስድርኡን ኣሕዋቱን'ዩ ዚጅምር፣ እዚ ማለት ቤተ-ሰቡ ኣብ ናይ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ህልቂት ኣይሁዳውያን ክጸንቱ ንሱ ይጋደል ነይሩ።

Image copyright Keystone/Getty Images

ሻሚር ድሮ'ኳ ንፍልስጥኤም ሰጊሩ ይንበር፡ ኣቦኡ ብምስኡ ዝዓበዩ ሰባትን ጐረባብቱን ተጠሊሙ (ኣይሁዳዊ ብምዃኑ) ተቐትለ፣ ኣዲኡን ክልተ ኣዋልድ አሕዋቱን ኣብ መዝገቲ-ዘሪባ (ኮንሰንትረሽን-ካምፕ) ከም ዝጸንታ፡ ሳልሰይቲ ሓብቱ ድማ ብጥይት ኣብቲ ሕማቕ እዋን'ቲ ከም እተቐትለት ይፈልጥ ነይሩ። እዚ ዅሉ ቃንዛን መከራን ኣብ ልቡ ሒዙ'ዩ ዝቃለስ ነይሩ።

ኣይሁዳውያን ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ ዘጓንፎም ዝነበረ ፍጹም ግፍዒ ክጻወሮ ዘይከኣለ ሻሚር ኣብ ፍልስጥኤም ኰይኑ ምስ ብጾቱ ዀይኑ ኣበርቲዑ ብሕቡእ ይቃለስ ነበረ።

ኣብኡ ንማለቱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተመዝጊቡ'ኳ እንተነበረ ቀልቡ ግን ሃገረ-እስራኤል ኣብ ምምስራት ነበረ። ክብል-ክብል ድማ ቃልሱ ናብ ኣንጻር እንግሊዛውያን ገዛእቲ ኣቕንዐ።

ዪሻክ ሻሚር ኣብ ኤርትራ

ዪሻክ ሻሚር ኣብ'ቲ ዘካዪዶ ዝነበረ ምንቅስቕስ ብስቱር ተፈላጥነት እናረኸበ ምስ ከደ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት በጽሐ። ኣብ'ቶም ኣብ ተልኣቪቭ ኰነ ካልኦት ቦታታት ኰይኖም ኣንጻር ግዝኣት እንግሊዝ ዝካየዱ ዝነበሩ ጽዑቓት ሚስጢራውያን ስርሒታት ኢድ ስለ ዝነበሮ ብወተሃደራት ጸጥታ እንግሊዝ ብጥብቂ ይድለ ነበረ።

ኣብ ናይ ቅንጸላ ስርሓት'ውን ይዋሳእ ነይሩ'ዩ፣ ኣብ ምቕንጻል እንግሊዛዊ ሓላፊ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ - ሎርድ ሞይን - ባዕሉ ሻሚር ድሒሩ ከም ዝተኣመነሉ፡ ኢድ ነይሩዎ'ዩ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ እየሩስሌም ዝርከብ ንጉስ ዳዊት ዝበሃል ሆቴል ብምስጢራውያን ሓይልታት ምስ ተጠቕዐ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈት መኪና ኣብ ተልኣቪቭ ተራእየት።

ወተሃደራት እንግሊዝ ነቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ንምሓዝ ጽዑቕ ናይ ገዛ-ገዛ ፍተሻ ኣካየዱ። ሽዑ፡ ወርሒ ሓምለ (1946)፡ ሓደ ወትሃደር እንግሊዝ ንዪሻክ ሻሚር በቲ ብርቱዕ ሽፋሽፍቲ ዓይኑ ስለ ዘለለዮ ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ኣእተዎ።

ኣብ'ቲ እዋን'ቲ እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሮም ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ምሕደራኦም መስሪቶም ስለ ዝነበሩ ንዪሻክ ሻሚር ብሞቑሕ ኣሲሮም ካብ ተልኣቪቭ ንኣስመራ ከም ዝስደድ ገበሩ።

ምኽንያቱ ኣብ ፍልስጥኤም ዝነበረ ኵነታት ጸጥታ ኣየተኣማምንን'ዩ ነይሩ፣ እቶም ከም በዓል ሻሚር ዘኣመሰሉ እሱራት ከኣ፡ ኵነታት መእሰሪኦም ጽንኩር ስለ ዝነበረ፡ ብጥብቂ ምእንቲ ሓለዋ ክግበረሎም ኣብ ጽኑዕ ቤት-ማእሰርቲ ይልኣኹ ነበሩ፣ ሓደ ካብ'ኦም ቤት-ማእሰርቲ ሰንበል (ኣብ ኣስመራ) ነበረ።

ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ቅድሚ ዪሻክ ሻሚር፡ብተመሳሳሊ ምኽንያታት ካብ ፍልስጥኤም ንኤርትራ ዝተላእኩ 251 ኣይሁዳውያን እሱራት ነበሩ።

ሻሚርን ብጾቱን ኣብ ክንዮ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝፈልጥዎ ሰብ ዘይብሎም ዓዲ ኣብ ማሕዩር ብምእታዎም ኵነታቶም ጽንኩር'ኳ እንተነበረ፡ ንሱን ኣርባዕተ ካልኦት ብጾቱን ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዉሽጡን-ዉሻጦኡን ከጽንዕዎ ጀመሩ። ካብ ሰንበል ንምምላጥ ከኣ መደብ ከውጽኡ ጀመሩ። ነዊሕ ኣይጸንሑን፡ ለይተ-ለይቲ ሓደ ጸቢብ ጋለርያ ክፍሕሩ ጀመሩ።

ብ 14 ጥሪ 1947 ዪሻክ ሻሚር፡ ምስ ብጾቱ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሰምበል ብምምላጥ ብእግሮም ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ኣተዉ። ኣብ ዉሽጢ ከተማ ሓደ ዝተሓባበሮም ኣይሁዳዊ ሓኪም ስለዝረኸቡ ኣብ ገዝኡ ክሕብኡ ከኣሉ።

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ካብ ኣስመራ ብሕቡእ፡ ኣብ ዉሽጢ ቦጥ (ናይ በንዚና) ኣትዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጐዓዙ ኸኣሉ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ እታ ካብ ኣስመራ ዘምለጠት ጕጅለ ኣብ ክልተ ተኸፍለት፣ ሻሚር ምስ ካልኣዩ ኣብ ዉሽጢ ባቡር ተሓቢኡ ናብ ናይ ፈረንሳ ጂቡቲ ሰገረ። ካብኡ ኸኣ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከርተት፡ ከም ዕቝበኛ ዀይኑ ኣብ ፈረንሳ ክኣቱ ኸኣለ።

ሕልሙ ንእስራኤል ምኻድ ስለ ዝነበረ፡ ካብኡ፡ ዝተሰንዐ ፓስፖርት ሒዙ፡ ብ 20 ጉንበት 1948 ናብ እስራኤል ተመልሰ - ሓደ ሰሙን ድሕሪ እስራኤል ናጽነታ ምእዋጃ።

ዳግማይ ጕዕዞ ናብ እስራኤል

ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ኵነታት ኣይሁዳውያን ክቕየር ስለ ዝጀመረ፡ ብ1948 መንግስቲ እስራኤል እግሪ ተኸለት፣ ሽዑ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ናብ ዓዶም ዘምርሕሉ እዋን ነበረ።

Image copyright GALI TIBBON

ኣይጸንሐን ከኣ፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ፖለቲካ ብምእታው ብርክት ዝበሉ ሓላፍነታት ክስከም ጀመረ። ሓደ ካብ'ቶም ዓበይቲ ስርሓቱ ምስ ሞሳድ (ክፍሊ ስለያ) ነበረ። ኣብ ሞሳድ ኰይኑ ኣባላት ናዚ (ንኣይሁዳውያን ዘጽነቱ ጀርመናውያን) ብምህዳን፡ ሓለዋ ሃገር ብምሕያል፡ ዓቢ ተራ ተጻወተ።

ብ 1973 ኣብ ክነሰት (Knesset - ኣሰምብለያ እስራኤል) ብምእታው ኣፈኛ መንግስቲ ዀነ። ከምኡ እናበለ ኸኣ መራሕ መንግስቲ (ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል) ክኸውን በቕዐ - እኳ ድኣ ንክልተ ወቕትታት።

ቅዲ ኣመራርሕኡ ከም ናይ በዓል ሺሞን ፐረዝ ኣይነበረን - ፐረዝ ኣብ ድፕሎማስን ምስ ፍልስጠማውያን ሓቢርካ ዝስርሓሉ መንገዲ ከናዲ ሻሚር ግን ትርር ዝበለ ድፋዕ ሒዙ እስራኤል ንእስራኤላውያን ዝብል ደረቕ መርገጺ ሒዙ ይመርሕ ነበረ።

ሻሚር ኣብ መንግስቲ ዓቢ ተራ ኢዩ ተጻዊቱ። ንሻሚር፡ ኣይሁድውያን ካብ ምሉእ ዓለም፡ ምናዳ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ዝነብሩ ዝነበሩ፡ ናብ 'እስራኤል' ክውሕዙ ሓደ ካብ'ቶም ቀንዲ ሕልምታቱ ነበረ። ጸዓረሉ፡ ተዓወተ ኸኣ። ካብ 1967 ጀሚሩ፡ ሻሚር ዝጸዓረሉ፡ 150,000 ሩስያውያን/ኣይሁዳውያን ንእራኤል ክውሕዙ ከኣሉ።

ሻሚርን ፈላሻን

ፈላሻ፡ ንዘርኢ ኣይሁዳውያን ዘሎዎም ኣብ ኢትዮጵያ ዚነብሩ ህዝቢ ዝተዋህበ ስም'ዩ። ኣብ እስራኤል እዞም ፈላሻ ብቤተ-እስራኤል ኢዮም ዝፍለጡ።

ሕብረተሰብ ቤተ-እስራኤል ኣብ ሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ (ጸለምቲ፡ ኣኽራናት ሰሜን፡ ኣርማጭሆ፡ ወገራ፡ በለሳ፡ ደምብያ፡ ጎንደር፡ ቋራ ...ወዘተ)፡ ዳርጋ ኣብ 500 ዝዀና ንኣሽቱ ቍሸታት ተዘሪኦም፡ ማዕረ-ማዕረ ኣስላምን ክርስትያንን ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን/ኢትዮጵያውያን እዮም፣ ሕጂ መብዝሕትኦም - ዳርጋ 150,000 ዝዀኑ - ናብ እስራኤል ዝፈለሱ እዮም። ኣብኡ ኸኣ ፈረዩ። ካብዚኦም ዳርጋ 40,000 ኣብ እስራኤል ዝተወልዱ እዮም።

ታሪኽ ናይ ህዝቢ ቤተ-እስራኤል ነዊሕ'ዩ። ብሓጺሩ ኣይሁድነቶም ብ 1973 ኢዩ ተፈሊጡሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ እስራኤል በብቑሩብ ክግዕዙ ካብ ዝጅምሩ ድሮ ኣርብዓ ዓመታት ሓሊፉ።

ካብ 1977 ጀሚሮም፡ እቶም ቀዳሞት ቤተ-እስራኤላውያን ንሱዳን ብምስጋር ብስቱር፡ ንእስራኤል ናይ ምምላስ መሰሎም ምስ ጸደቐ፡ ብ 'ስርሒት ሙሴን ስርሒት እያሱን' ዝፍለጡ ስልኳታት ብነፈርቲ ንእስራኤል ክግዕዙ ኸኣሉ።

ካብ'ቶም ብኣሽሓት ዝቝጽሮም ቤተ-እስራኤላውያን ብእግሮም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱድን ድሕሪ ምስጋሮም፡ ብስርሒት ሙሴ ኣቢሎም ዳርጋ 8,000 ሰባት ካብ ሱዳን ንእስራኤል ብሰላሳ በረራታት ክግዕዙ ኸኣሉ።

ምስጢራውነት ስርሒት ሙሴ ምስ ተቓልዐ እቲ መደብ ተቛረጸ። ኵነታት ኢትዮጵያ እናኸፍአ ምስ ከደ፡ ክቱር ጥምየት ድማ ምስ ኣተወ፡ እቶም ዝተረፉ ቤተ-እስራኤላውያን ደጊሞም ንሱዳን ብስልኳ ክኣተዉ ጀመሩ።

እቲ ጕዳዮም ብመንግስቲ ኣሜሪካ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ፡ ብስርሒት እያሱ ዝፍለጥ፡ ብ1985 ካብ ገዳርፍ ብሽድሽተ ዓበይቲ ነፈርቲ ኣሜሪካ (C-130 Hercules) ተጻዒኖም ንእስራኤል ገዓዙ።

ዪሻክ ሻሚርን ምስጢራዊ ስርሒት 'ሶሎሞን'

ዪሻክ ሻሚር ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን'ዩ 'ስርሒት ሶሎሞን' ተኻዪዱ። ሻሚር ኣይሁዳውያን ንእስራኤል ክምለሱ ይግባእ ዚብል መርገጺ ሒዙ ንነዊሕ እዋን ዝተቓለሰ መራሒ ነበረ። እንኮላይ ቤተ-እስራኤላውያን።

Image copyright Getty Images

እቲ ዘደንቕ 'ስርሒት ሶሎሞን' ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ስርሒት'ዩ ነይሩ። መንግስቲ ደርጊ ንክወድቕ ምስ ቀረበ 'ኣህጕራዊ ኣይሁዳዊ ማሕበር' በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተሪፎም ዝነበረ ፈላሻ ኣዝዮም ስለ ዝተሻቐሉ ብቕልጡፍ ዝወጽሉ መንገዲ ከናድዩ ጀመሩ።

ኣዲስ ኣበባ ብተጋደልቲ ኢህወደግ ተኸቢባ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ስርሒት ሶሎሞን ብድፍኢት ቀዳማይ ሚኒስተር ዪሻክ ሻሚር ተበገሰ።

ብ 24-25 ጉንበት 1991፡ ናይ መጐዓዓዝያ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዕላብ ብ36 ሰዓታት፡ ብ35 በረራታት ብምክያድ፡ 14,325 ቤተ-እስራኤላውያን ዘድሓናሉ እዋን ነበረ።

ከምዚ ዓይነት ሓደገኛን ጽፉፍን ስርሒት ተፈጺሙ ስለ ዘይፈልጥ ህዝቢ ዓለም ገረሞ። ክንድኡ ዝኣኽሉ ሰባት ብሰላሕታ ካብ ከባቢ ጎንደር ተበጊሶም ንኣዲስ ኣበባ ብምጕዓዝ ዘገርም ስርሒት ነበረ።

ብዙሓት ካብ'ቶም ኣባላት ቤተ-እስራኤል፡ እታ ዝተኸድንዋ ክዳንን ድስትን ታኒካን ተሓንጊጦም'ዮም ብዘይ ውዓል-ሕደር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጓዕዙ።

እተን ነፈርቲ 760 ሰባት ክጽዕና ዝግብአን ልዕሊ ሺሕ ቤተ-እስራኤላውያን እናጸዓና ተበገሳ። እቶም ተጓዓዝቲ ኣቝሑትን ጋዕ-ገልጠምን ስለ ዘይነበሮም። ኣዴታት ንቘላዑተን ሓዚለን፡ ንገሊኦም ብኢዶም እናጓረታ ኣብ ነፋሪት ተሰቕላ። ከምቲ ዝንገር ኣብቲ እዋን'ቲ ሓሙሽተ ቈላዑ ኣብ እዋን በረራ ተወልዱ።

እምበኣርከስ፡ ዪሻክ ሻሚር ኣብ ዞባና በዚ'ዩ ዝፍለጥ-ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ካብ ኢትዮጵያ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ቤተ-እስራኤላውያን ስለ ዘድሓነ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት