ኲናት የመን፡ ስዑዲ ብእትመርሖ ልፍንቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 100 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ማሕቡእ ሑቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ሰባት ንምሕጋዝ ዝወፈሩ ሰራሕተኛታት ማሕበር ቀይሕ መስቀል Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ የመን ልዕሊ 100 ሰባት ብመጥቃዕቲ ሞይቶም ይብል

ከም ሓበሬታ ዓለማዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ስዑዲ እትመርሖ ልፍንቲ ኣብ ቤትማእሰርቲ የመን ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ የመናዊት ከተማ ድሃማር ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፡ ካልኦት 40 ብህይወት ዝተረፉ ከም ዘለው እቲ ማሕበር ይገልጽ።

ንመንግስቲ የመን እትድግፍ ስዑዲ እትመርሖ ልፍንቲ ግን፡ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መዓስከራት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይልን'ዩ ኣዕንዩ ይብል።

ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉ ዓመጽቲ ሑቲ ንመንግስቲ የመንን ደገፍቱን ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ኮይኖም፡ ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ቦታ ከም ዘጥቅዐት ይገልጽ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቅድም ኢሉ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ።

ሓላፊ ልኡኽ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ የመን ፍራን ፎውክንስተን፡ ኣብቲ ቦታ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ይእክብ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ካልኦት ናይ ምርካብ ዕድሉ ግን 'ጸቢብ' ምኻኑ ሓቢሩ።

ፕሬዝደንት ዓብዱራቡሕ ማንሱር ሃዲን ካቢንኡን ብዕጡቓት ሑቲ ተደፊኦም ካብ ሰንዓ ካብ ዝወጽኡሉ 2015 ጀሚሩ፡ የመን ኣብ ኲናት እያ ዘላ። ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ብምትሕብባር ድማ ንፕሬዝደንት ሃዲ እናደገፈት መጺኣ ኣላ።

እቲ ልፍንቲ ዳርጋ መዓልታዊ መጥቃዕቲ ኣየር ዝፍጽም ኮይኑ፡ ሑቲ ድማ ብተደጋጋሚ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሚሳይል ይውንጭፍ።

ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ግን፡ 80 ሚአታዊት ህዝቢ ብከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክጥቃዕ ገይሩ። ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ልዕሊ 70 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት ይብል ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት።

ተወሳኺ ዛንታ