ተዘክሮታት ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ

ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ኣብ ሕቡራት ሃገራት Image copyright AHMED TAHR BADURI

ንነዊሕ ዓመታት ካብ መንግስታዊ ሓላፍነት ደስኪሉ ዝርከብ ተጋዳላይ ሰብዓታት ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ 500 ዝገጻቱ መጽሓፍ ብዛዕባኡን ንሱ ብቐረባ ዝፈልጦን ዛዕባታት ኣልዒሉ ብዓረብኛ ክጽሕፍ ከኣለ። ንምንታይ ግን መንግስቲ ኣደስኪሉኒ ኢሉ ነቲ ታሪኹ ዘይመልኣሉ?

ኣሕመድ ባዱሪ ኣብ ሕርጊጎ ብ 1946 ዝተወልደ ገዲም ተጋዳላይ'ዩ። ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት ስሳታት ኣብ ሶርያ ሕክምና የጽንዓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ልቡን ቀልቡን ናብ ሰውራ ኤርትራ ስለ ዘንቀደ ብ 1969 ትምህርቱ ራሕሪሑ ንሜዳ ወረደ።

ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ ብዕድሜ ምድፋእን ብህልዊ ቅልውላውን ከይተዓንቀፈ ክገብሮ'የ ብዚብል መንፈስ ተደፊኡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኣበርክቶ ብምግባሩ ክምጐስ ይግባእ። እቲ መጽሓፍ ድማ ብጽቡቕ ጽሕፈትን ጽፈትን ናብ ትግርኛ ተተርጐመ። ሓንሳብ ምንባብ ምስ ጀመርካ ደው ንምባላ ኣሸጋሪ'ዩ ... ክሳብ ክንድዚ መቐረት ዘሎዋ መጽሓፍ'ያ።

ጠንቂ መጽሓፍ ምጽሓፍ ኣብ ኤርትራ

መጽሓፍ ምጽሓፍ ቀሊል ጕዳይ ኣይኰነን። ዋላ'ኳ እቲ ህሉው ፖለቲካዊ ኵነታት ንምጽሓፍ በዳሂ ይዅን እቶም ሒዶት ጸሓፍቲ፡ ኣዕጋቢ ይዅን ኣይዅን ብዘየገድስ፡ ብምጽሓፎም ክምጐሱ ይግባእ፤ ነቲ ደፊሮም ክጽሕፍሉ ዘይክኣሉ ኣርእስታት ድማ ቀስ ኢሎም፡ ዕድመ እንተድኣ ሂቡዎም፡ ኵነታት ከኣ ምስ መችኦም፡ የርክብሉ ይዀኑ።

ንምዃኑ ባዱሪ ናይ ኤርትራ ቀዋሚ ወኪልን ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝነበረ፡ ቅድሚኡ'ውን፡ ኣብ ሜዳ ይዅን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓቢይ ሓላፍነት ዝነበሮም ስርሓት ከም ዘገልገለ ክንጠቕሶ ንደሊ። መን ይፈልጥ፡ በዚ ተባዕ ኣበርክቶኡ ንኻልኦት መሰልቱ መገዲ ይኸፍተሎም ይኸውን።

ኣርእስቲ ናይዛ ዓባይ መጽሓፉ "ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ" ዚብል ኰይኑ ብኣደናቒ ትሕዝቶን ቅርጽን'ዩ ኣቕሪቡዋ። ኣነ እናበለ ብቐዳማይ ኣካል ንጽል ተውላጠ-ስም ስለ ዝጸሓፋ ድማ ተነባቢት'ያ። መናእሰይ ድም ገናጺሎም ዜርብሕ ትምህርቲ ከም ዝረኽቡላ ድማ ኣየጠራጥርን።

Image copyright AHMED TAHR BADURI

ምስጋናን ወቐሳን

ኣብ ሓደ ባህሊ መንነት ናይ ሓደ ደራሲ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ዄንካ ምጽሓፍ ጌና ስለ ዘይተኣታተወ መንነት ደራሲ ፍርቂ ትሕዝቶ ናይ'ቲ ዛንታ ኢዩ።

ርግጽ'ዩ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዄንካ መጽሓፍ ምጽሓፍ ቀሊል ኣይኮነን። ካብቲ መርገጽን ድልየትን መንግስቲ ፍንትት ኢልካ፡ ኵነታት ብኣረዳድኣኻን ሓቂ ብዘሎዎን ብቃላት ስኢልካ ምቕራብ ሓደገኛ ስለ ዝዀነ ናይ ምጽሓፍ ክእለት ዘሎዎ ሰብ ንኽጽሕፍ ሰገጥ'ዩ ዝብል፣ ሸውሃቱ'ውን ይዕጾ። ኣሕመድ ባዱሪ ግን ጽሒፉ።

እቶም ናጻ ዀይኖም ክጽሕፉ ዝፈተኑ፣ ዕድል እቶም ሓቒቖም ዝተረፉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ከየጋጥሞም ዘሰክፍ እዩ። ጉዳይ ብርሃነ ኣብረሀ ኪዳነ እውን ከም ኣብነት ክረአ ይከኣል እዩ።

ብርሃነ፡ ነባር ተጋዳላይን ሓላፊ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዝነበረ፡ እታ "ኤርትራ ሃገረይ" ዘርእስታ መጽሓፉ ምስ አሕተመ ኣበይ ኣትዩ ከይተባህለ ተሸሪቡ ኣሎ።

ርግጽ'ዩ፡ ንሓንቲ መጽሓፍ ኣትኵርና ብምንባብ ሓደ ድሓን ዝዀነ ሚዛን ክንወስድ ንኽእል ኢና። እቲ ንምምማይ ዜድሊ ምስትውዓል ምስ ኣንባቢ ስለ ዝዀነ። ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንኸንብብ እኹል ዕድል ኣይረኸበን፤ ስለዚ ከመይ ኢሉ ማማዪ ኣንባቢ ክኸውን ይኽእል? እዚ ጊዜ ዝሓትት መስርሕ'ዩ።

መንግስቲ ካብ ንባብ ኢዱ ምስ ዜውጽእ፡ በብዓይነቶም ጽሑፋት ክቐርቡ ምስ ዝኽእሉ፡ እቶም ጸሓፍቲ ድማ ወገን ወሲዶም ኣብ ክንዲ ምጽሓፍ ኣብ ጸግዒ ርትዒ ዀይኖም ምስ ዝጽሕፉ ቀስ ኢሉ ማማዪ-ኣንባብነት ክምዕብል ይኽእል እዩ ይብሉ ተኸታተልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ።

ናጽነት ምጽሓፍን ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ክሳብ ዘይሃለወ ከኣ ዝረኸቦ'ዩ ከንብብ ንኽእል።

እምበኣርከስ፡ ንመንነት ደራሲ ዝፈልጥ ሰብ እቲ ዛንታ በቲ ዝሰዓረ ጕጅለ ከም እተጻሕፈ ቀልጢፉ ከስተብህለሉ ይኽእል።

እወ፡ ንመብዝሕትኡ ፍጻሜታት ልክዕ ነይሩ ናይቲ ካልእ ግን ጌጋ ካብ ዚብል መርገጺ'ዩ ዝጅምርን ብእኡ'ውን ዝውዳእን። ኰይኑ ድማ ኣንባቢ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ. ዝተሰንዘረ ርእይቶታት ብምምያን ኣስተውዕሎን ከንብቦ ይግባእ።

ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ

ኣብ ኣበርክቶ ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘተኰረ - ምዕራፍ ትሽዓተ "ፍጻሜታት መሪር ቃልሲ - ብቃል ሳልሳይ ወለዶ" (ገጽ 316) - ኣዝዮም መሰጥቲ ዛንታት ይርከብዎም።

ፋጥማ መሓመድ ዓሊ (ጓል ዓሊ - ብ '77 ኣብ 16 ዕድሜኣ ዝተሰለፈት)፣ ትብለጽ ተወልደ (ጓል ጥሮታ - ብ '76 ዝተሰለፈት፡ ኣብ 150 ዓበይቲ ዉግኣት ዝተኻፈለት)፣ ብርሃና ገብረመድህን (ብ '77 ዝተሰለፈት ስንክልቲ፡ ኣብ ናደው ንሻዱሻይ ጊዜ ዝተወግአት)፣ ስዕዲ ሙሳ መሓመድ (ብ '76 ዝተሰለፈት - ኣብ 2ይ፡ 3ይ፡ 4ይ፡ 5ይ 6ይ፡ 7ይ ወራራት ዝተሳተፈት፡ ብመውጋእትታት ኣካላታ ዝተበሻሽዐ)፣ ኣስመረት ኣብራሃ (ጓንዴ፡ ብ '75 ዝተሰለፈት፡ ኣብ ኲናት ዓዲ-ቐይሕ ብ '78 ቅያ ዝፈጸመት)፣ መርየም እድሪስ ሹኩርክ (ብ '76 ዝተሰለፈት፡ ኣብ መደበር ታዕሊም ዓቢ ግደ ዝነበራ)፣ ፋና ተስፋማርያም (ብ '75 ዝተሰለፈት፡ ኣብ ሓደገኛ ከባቢታት ምስጢራዊ ንጥፈታት ተካይድ ዝነበረት)፣ ኣብረሀት ኣረፋይነ - ጓል ፋኖ (ብ '74 ዝተሰለፈት፡ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳርን ምውዳብ ሓፋሽን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረት)፣ ኸዲጃ ዑመር መሓመድ (ብ '76 ዝተሰለፈት፡ ምውዳብን ምንቅቓሕን ሓፋሽ)፣ ናጽነት ምስግና ( ካብ '75 ጀሚራ ኣብ ምስጢራዊ ስርሓታት ዝነበረት)፣ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ገጣሚት ተጋዳሊት ኣደ - ዘይነብ ያሲን ሱሌማን።

ኸምዚአን ዘኣመሰላ፡ ንኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተበጀዋ፡ ንእስነተን ዝሃባ፡ ናጽነት ኤርትራ ከይረኣያ ዝተሰውኣ ብዙሓት እየነ፤ ነተን ዘሎዋ ግን ኤርትራ እንታይ ኰን ጌራትለን ትኸውን። ብዉሑዱ ንታሪኸን ዝጽሕፉ ጸሓፍቲ ወዲብካ ብኽብሪ ክእለያ ዝግብአን ሰብ ቅያ እየን። ኣብዚ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ብሓቂ ክምጐስ ይግባእ።

ዛንታ ዉግእ ሓድሕድ

ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዉግእ ሓድሕድ ከመይ ኢሉ ከም ዝጀመረ ክገልጽ ከሎ (ገጽ 183) "ሓደ መዓልቲ ኣብ ጋድም ሓሊብ ሓንቲ መስርዕ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኣእዱግ ኣዋጃት 'ሃገራዊ ጉባኤ' ጽዒና መጸትና።

ምስቲ ነታ መስርዕ ዝመርሕ ዝነበረ ላዕለዋይ ካድረ ተ.ሓ.ኤ.፡ ስሙ ክጠቕሶ ኣይመረጽኩን፡ ሰላምታ ተለዋወጥና" እናበለ ክጽሕፍ፣ ጸኒሑ ኸኣ (ኣብ ገጽ 186) ኣብታ ዉግእ ሓድሓድ ዝተጀመረላ መዓልቲ "ሰለስተ ካድረታት ተ.ሓ.ኤ" እናበለ ደጊሙ የዘንቱ ።

ኣብዚ ፍርቀ-ፍርቂ ጌርካ ነቲ ዛንታ ክሕደግ ኣይምተገብአን። ንምንታይ ነቲ ሓዲኦም 'እቲ ስሙ ክጠቕሶ ዘይደለኹ' እናበለ ዝረቝሖ? ንምንታይ ዘየድሊ ጥርጠራታት ኣብ ልዕሊ ኣንባቢ ይገድፍ? ብህይወቶም ዘለዉ ብዙሓት ነባራት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.፡ በቲ ባዱሪ ዘቕረቦ ታሪኻዊመግለጺ ክምክቱ ዕድል ክወሃቦምዶ ኣይምተገብአን?

ስዉር ሰልፊ ኣብ ሰውራ

ኣብ ትሕቲ "ሰውራዊት ዋህዮ ናብ ሰውራዊ ሰልፊ ህዝቢ" ዚብል ኣርእስቲ (ገጻት 149-158)፡ ደራሲ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሚስጢራዊ ሰልፊ ኣብ ሜዳ ኤርትራ (1972)፡ እቲ ንሓያሎ እዋን ንብዙሕ ዜዛረበን ዓበይቲ ሕቶታት ዘለዓዓለ ጕዳይ፡ ዝጸሓፎ ሓተታ ዜገርም'ዩ።

መስረትቲ ናይቲ ምስጢራዊ ሰልፊ ኣብ እምባ ገደም ዝተኣከቡ ድማ እዚኣቶም ነበሩ - መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ (ፕረሲደንት)፡ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ኣቡበካር መሓመድ ሓሰን ቓዲ፡ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ (ብ 2001 ተኣሲሩ ሃለዋቱ ዘይፍለጥ እሱር)፡ መስፍን ሓጐስ (ተሰዲዱ)፡ ኢብራሂም ዓሊ ዓፋ (ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ስርሒት ባሕረ-ነጋሽ ተሰዊኡ ይብሃል)፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ (ብ 2005 ብሕማም ልቢ ሞይቱ)፡ መዓሾ እምባየ (ብ 1972 ተሰዊኡ)፡ ኣሕመድ መሓመድ ኑር ሂላል፡ ኣሕመድ ሳልሕ ኣልቐይሲ (ካብ መንግስቲ ርሒቑ ኣብ ግዳም ዝነብር)፡ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ (ንነዊሕ እዋን ደስኪሉ ዝርከብ)።

ኣብዚኣ ባዱሪ ነቶም ኣስማቶም ረቚሑዎም ዘሎዉ ሰባት ንህልዊ ኵነታቶም ዚገልጹ ሓጺር-ሓጺር ሕጡበ-ጽሑፋት ከቕርብ ምተገብአ።

ድሕሪ ናጽነትከ?

ኤርትራ ብ1991 ኢያ ሓራ ወጺኣ። ኣብ ዉሽጢ 28 ዓመታት ብዙሓት ክኢላታት ጸሓፍቲ፡ ካልእሲ ይትረፍ በቲ ገድላዊ ተመኩሮኦም በብዓቕሞም ዛንትኦምን ዛንታ ኤርትራን ክጽሕፉ ትጽቢት ነይሩ ግን ብዙሕ መጻሕፍቲ ኣይፈረየን። እቶም ነቲ ኵነታት ብቀረባ ዝፈጥዎ ሰባት፡ እከይ ይዅን ጽቡቑ፡ 'ኣነ እዚ'ዩ ታሪኸይ' እንተዝብሉ ንውሉድ ወለዶ ዝጠቅም ሓድጊ ምገደፉ።

መብዝሕትኦም ነቲ ሰውራ ዝመርሑዎ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ሰብዓታት ኣትዮም'ዮም፣ ድሕሪ ሕጂ ነዊሕ ክጸንሑ ትጽቢት ኣይግበረሎምን። ብዕድሜ ስለዝደፍኡ ድማ ኣብ ሕጂ በጺሖም ፍሕትሕት እንተ በሉ ጐደሎ ታሪኽ'ዮም ክጽሕፉ ዚብል ግምት ኣሎ።

እቲ ክልዓል ዘሎዎ ሕቶ ግን ስለምንታ'ዮም ዘይገበሩዎ? ብዛዕባ ኤርትራ ኢትዮጵያውያን ዝጸሓፉዎ መጻሕፍቲ ይዛይድ - ብግዜ ደርጊ ኣብ ኤርትራ ወፊሮም ዝነበሩ ሓለፍቲ ሰራዊት በብዝመስሎም ጽሒፎም ንህዝቦም ናይ ስነ ጽሑፍ ህያብ ይሓድጉ ኣለው።

ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዘሎዉ ሰባትስ እኳ ብርዱእ ምኽንያት ከምድላዮም ንከይጽሕፉ ይፈርሁ ይዀኑ፡ እቶም ኣብ ግዳም ዘሎዉኸ እንታይ'ዩ ጸገሞም? ኣይኰኑንዶ ተራ ተጋደልቲ ሓለፍቲ ዝነበሩ ቍጽሮም መዓስ ውሒዱ? ዝብል ርእይቶ ታሪኽ ከንብቡ ዝደልዩ ሰባት ውሑድ ኣይኮነን።

ጸሓፍቲ፡ ተመራመርቲ ታሪኽ፡ ግቡኦም ይፈልጥዎ'ዮም፣ ፍርቃ-ፍርቂ ታሪኽ ኣይጽሓፍን፡ ወይ ከኣ ላንጋ-ላንጋ ኰይኖም ብምጽሓፍ ንታሪኽ ክኾሉዎ'ምበር ዓትዒቶም ክሕዝዎ ኣይረኣዩን። እቶም ዝጸሓፉ ዘሎዉ መጻሕፍቲ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ካብቲ ቀንዲ ረቋሒ ህይወት - ፖለቲካ ሃገር - ርሒቖም'ዮም ዝጸሓፉ ዘሎዉ።

ኣሕመድ ባዱሪ ዘበርከቶ መጽሓፍ ግሩም'ዩ፣ ኵሉ ከንብቦ'ውን ይግባእ። ይዅን'ንምበር ንኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዝግባእ መጐሰ ብምሃብ ምስ ሕልና ዝትኣሳሰር ሕቶታት ክንሓትት ግቡእ'ዩ። ከም ዳህሳሳይን ሰናድን ታሪኽ ተሸቝሪሩ ዝሓለፎም ዛዕባታት ኣሎዉ።

ንዉግእ ናደው በዓል መን መርሕዎ? ኣብ ዉግእ ስርሒት ፈንቅል በዓል መን ውዓሉ? ንሕጂ ብፍላጥ ዕሽሽ ኢሉዎም ዝሓለፈ ዛንታታት ኣለው። ነቲ ኣብ ሞንጎ ሕንጻጻት ንዘሎ ትሕዝቶ ከንብብ ንዝኽእል ሰብ ከኣ ዓቢ ትምህርቲ'ዩ ዝዀኖ።

እንድሕሪ ኵነታት ድሕሪ ናጽነት ብቕድሚ ናጽነት ዝተኻየዱ ስርሓት ይቕየድ'ዩ ተናሂሉ ዝእመን ኮይኑ ብፍርቂ ታሪኽ ምጽሓፍ ንህዝቢ ክጠቅም ኣይክእል እዩ።

እዚ ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ ሓርፋፍ መገዲ ምስቲ ትማሊ ዝሓለፈቶ ጕዕዞ ይተኣሳሰር'ዩ። ንህዝቢ ክንገር ከኣ ይግብኦ። እቶም ብፍላጥ ዝተሰግሩ ዛዕባታት ኣካል ታሪኽ ናይቲ ህዝቢ ስለ ዝዀኑ ጸሓፍቲ ካብ ሓቂ ክሃድሙ ኣይግባእን።

ኣብ ዳሕራይ ገበር ናይቲ መጽሓፍ ዘሎ ሓበሬታ

እታ መጽሓፍ ብዓረብኛ ብ 2014 ምስ ተሓትመት ናብ ትግርኛ ንኽትርጐም ጊዜ ወሰደት። ብ ሰነ 2018 ከኣ ኣብ ዱባይ ተሓትመት።

እታ መጽሓፍ ኣብ 12 ምዕራፋት ተኸፊላ ካብ 60ታት ጀሚራ ክሳብ መዓልቲ ናጽነት (1991) ዘሎ እዋን ትሽፍን።

ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ንብዙሓት ሰባት ሓድሽ ኢዩ። እቲ ዛንታ ካብ እዋን ሓረካ ዝካየድ ዝነበረ ግፍዕታት'ዩ ዚጅምር። ሓረካ ብ 1958 ተመስሪቱ - ሰባት በብሸውዓተ ብምስጢር ተወዲቦም ንናጽነት ክንቀሳቐስሉ ዝጀመሩሉ እዋን ነበረ፣ እቲ ምንቅስቓስ ከኣ ቀልጢፉ ኣብ ኵሉ ተዘርጊሑ።

ሽዑ በዓል ጀነራል ተድላ ዑቕቢት፡ ናይ ፖሊስ ሓላፊ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘካይድዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ደራሲ ብጽቡቕ ገይሩ ኣስፊሩዎ ኣሎ። እቲ ዛንታ መሳጢ'ዩ፣ ምናዳ ምስ ዛንታ ኢድሪስ ዓዋተ ተኣሳሲሩ ስለ ዝሰፈረ።

ብ 1962 ኣብ ኣቑርደት ዝተኻየደ ፍጻሜ - ኣብ ኣኼባ ክልተ ቦምባታት ብሓደ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት - ኣደም ግናድፍል ዝተባህለ - ከም ዝተደርበየ፣ ሽዑ ኣቶ ዑመር ሓሰኖ (ሚኒስተር ፍትሒ ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ) ከም ዝሞቱ ብጽቡቕ ስለ ዝገልጾ ሽዑ እቲ ኵነታት ካብ ሰላማዊ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ይኸይድ ከም ዝነበረ ኣንባቢ ብስሕበት ከንብብ ይጅምር።

ኣብ መፋርቕ '63 ጀነራል ተድላ ዑቕቢት፡ ናይ ፖሊስ ሓላፊ፡ ተቐትለ።

ጸኒሑ ኣብ 1964 መርከበኛ ኣቦኡ ንኣሕመድ ባዱሪ፡ምስ ተጋድሎ ሓርነት ይሰርሑ ስለ ዝነበረ፡ ኣባላት ጸጥታ ካብ ስራሕ ወሲዶም ከም ዝኣሰርዎም፡ ብማእሰርቲ ኣቦኡ ኸኣ እታ ስድራ ቤት ሰለሎ ከም ዝኣተዋ፡ ጸኒሑ ኸኣ ኣሕመድ ሃጽ ኢሉ ከም ዝጠፍአ ተዘንቱ።

እቲ ዛንታ ብ 1966 ንኣሕመድ ባዱሪ ኣብ ካይሮ ምስ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኤርትራ ኮፍ የብሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት