ሓላፊ ክፍሊ ስፖርት ቴለቪዥን ኤርትራ ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል ዑቕባ ሓቲቱ

ክብርኣብ ተስፋሚካኤል Image copyright Kibreab Tesfamichael

ሓላፊ ክፍሊ ስፖርት ቴለቪዥን ኤርትራ ጋዜጠኛ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል፡ ንሚኒስተሪ ዜና ኤርትራ ወኪሉ፡ ካብ 19 ክሳብ 31 ነሓሰ ኣብ ሞሮኮ ዝተኻየደ መበል 12 ግጥማት መላእ ኣፍሪቃ ክጽብጽብ ድሕሪ ምኻዱ፡ ዑቕባ ክሓትት ካብ ሞሮኮ ወጺኡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝኸደ ተረጋጊጹ።

ክብርኣብ ተሰፋሚካኤል፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባርካ ድሕሪ ምምሃሩ ኣብ 1997 ናብ ስነ ኪነት ኣስመራ ብምጽንባር ኣብ መስከረም 2000 ብሓፈሻዊ ጽርበት ሓጺን ብዲፕሎማ ተመሪቑ።

ኣባል 13 ዙርያ ሃገራዊ ኣግልግሎት ዝኾነ ክብርኣብ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ናብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዘእትዎ ነጥቢ ረኺቡ ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛም፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ብዓውዲ ጋዜጠኝነት ካብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ተመሪቖም ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝሰርሑ ውሑዳት ጋዜጤኛታት እዩ።

ክብርኣብ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ን 15 ዓመታት ዝሰርሐ ምኩር ናይ ስፖርት ጋዜጠኛ እዩ።

ኣብ 2016፡ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ንሚኒስተሪ ዜና ወኪሉ ምስታ ናብቲ ውድድር ዝኸደት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምኻድ፡ ዜናዊ ጸብጻብ የቕርብ ነይሩ።

ክብርኣብ ኣብዚ ስዓት እዚ ካብ ሞሮኮ ምውጽኡ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ፡ እንተኾነ ኣበይ ቦታ ከምዘሎ ኣይተፈልጠን።

ክብርኣብ ተስፋሚካኤል፡ ሓዋ ንውርይቲ ጋዜጠኛ ናጽነት ተስፋሚካኤል ኮይኑ፡ ከም 'ኣየ ሰብ' ዝኣርእስታ ተኸታታሊት ፊልምን ናይ ደርፊ ግጥምታትን ኣብ ምሕዳም'ውን ክነጥፍ ዝጸንሐ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ