'ፖለቲካዊ እሱራት ተጋሩ' ከፍትሕ ዝንቀሳቐስ 'ወፍሪ ሓርነት'

ኣባላት ጉጅለ ወፍሪ ሓርነት Image copyright FITSUM
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣባላት ጉጅለ ወፍሪ ሓርነት

'ወፍሪ ሓርነት' ብዝብል ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ፡ ብትግራዋይነቶም እዮም ተቐይዶም ዝበሎም ፖለቲካዊ እሱራት ነጻ ክልቀቑ ሓቲቱ።

እቲ 'ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ንሓርነት እሱራት ፖለቲካ ተጋሩ' ዝበሃል ምንቅስቓስ፡ ብሰንበት ኣብ ኣዲስ አበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 'ዓሌት መሰረት ዝገበረ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ መጥቃዕትን ማእሰርትን ተፈጺሙ እዩ' ይብል።

ይኹን እምበር ፌደራል መንግስቲ፡ ብተደጋጋሚ፡ ብገበን ዝተጠርጠሩ እንተዘይኮይኖም ሰባት ብዓሌቶም ኮነ ብሄሮም ኣይተኣስሩን። መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋጽ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ክብል እዩ ዝዛረብ።

ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ለውጢ ካብ ዝግበር ንደሓር፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ተጋሩ፡ ብወገን ትግራይ፡ 'ተጋሩ ስለዝኾኑ እዮም ተፈልዮም ዝእሰሩ ዘለው' ዝብል መረረታት ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝውደቡ ሰልፍታትን ኣኼባታትን ብህዝብን መራሕቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክንጸባረቕ ጸኒሑ እዩ።

ሓለፍቲ ነበር ሜቴክ ቅድሚ ምእሳሮም፡ መራሒ ክልል ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ዶክተር)፡ 'ገበነኛታት ክእሰሩን ልዕልነት ሕጊ ክኽበርን' ጽኑዕ መርገጺ ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም።

እንተኾነ ድሕሪ'ቲ ማእሰርቲ ብመራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ፡ ከም "የፍትህ ሰቆቃ' ዝኣመሰሉ ንመስርሕ ፍርዲ ክጸልው ዝኽእሉን ኣቐዲሞም ፍርዲ ዘቐምጡን እዮም ብዝብል ዝተነቐፉ ሰነዳዊ ፊልምታት ምስተዘርግሑ፡ "እቲ ዝግበር ዘሎ ኣገባብ ኣይኮነን፡ ሕግን ፖለቲካን ኣይተፈላለየን። ኩሉ ተግባር ትግራይ ንምስኳን [ንምምብርካኽ] እዩ ዝግበር ዘሎ" ዝብል ተቓውሞ ኣስሚዑ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ግን፡ እቲ ጉዳይ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋጽ ተግባር እምበር፡ ብሄር ዝፈለየ መጥቃዕቲ ኣይኮነን ክብል ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ መግለጺ ብምሃብ "ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ፈሊኻ ክረአ ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ውሃቢ ቃል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣይተ ዝናቡ ቱኒ ብወገኖም "ዝኾነ ውልቀ ሰብ ብምኽንያት ዓሌታዊ መንነቱ ጥራይ፡ ዝተኣሰረ የለን" ክብሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

"ዝኾነ ዜጋ ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን፡ ካብ ዝኾነ ዓሌት [ይፈጠር] ልዕሊ ሕጊ ኣይኮነን፡ ዋላ'ውን ናይ ወጻኢ ዜጋ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ገበን እንተተሳቲፉ፡ ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ" ኢሎም።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ነጊሱ ዘሎ ዓሌታዊ ረጽምን ምፍጣጥን ግን፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዘጋጥም ማእሰርትን ቀይድን፡ ቅድሚ ዝኣገረ ምስ ዓሌት ናይ ምትእስሳሩ ዝንባለ ገኒኑ ከምዝርከብ ዝገልጹ ተኸታተልቲ ፖለቲካ ናይዚ ዞባ ክህልዉ እንከለዉ፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቲ ማእሰርትን መጥቃዕትን 'ዓሌት ዝፈለየ ክኸውን ከምዝኽእል ዘርእዩ ምልክታት ኣለዉ' ዝብሉ'ውን ኣለዉ።

ብተወሳኺ ይብሉ እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኣኽባሪ ሕጊ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ኣብ ትግራይ ከምዝርከብ ንዝግመት፡ ሓላፊ ደሕንነት ኢትዮጵያ ንዝነበረ ጌታቸው ኣሰፋ፡ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ንክሕተት ብተደጋጋሚ ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ዘይረኸበሉ ምኽንያት ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ከየጋጥሞ'ዩ፡ ብዝብል ፍርሒ ምዃኑን እዚ ከኣ ኣብ ፍርዳዊ ኣካል እታ ሃገር ዕግበት ከምዘየሎን ዘመልክት እዩ ክብሉ የረድኡ።

እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን፡ መንግስቲ እቲ ክልልን ምትፍናን ክፈጥር ጸኒሑ እዩ። ዛጊድ'ውን መዓልቦ ኣይረኸበን።

እዚ 'ወፍሪ ሓርነት' ዝበሃል ውዳበ፡ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክካየድ ንዝጸንሐ ፍኑው ተቓውሞ ናብ ሓደ ብምምጻእ፡ 'መሰል እሱራት ፖለቲካ ከረጋግጽ እየ' ብዝብል ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ይገልጽ።

ዕላማ እቲ ምንቅስቓስ

ኣባልን መስራትን ናይቲ ምንቅስቓስ በዓል ሞያ ሕግን ጋዜጠኛን ዳንኤል ብርሃነ፡ እቲ ምንቅስቓስ፡ ንግዚኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ፡ ነጻ ንምውጻእ ዝዓለመ'ኳ እንተኾነ፡ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ብሚድያን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ዝንዝሑ ንዘለው፡ ጽልኣታዊ ዘረባታትን ጎስጓሳትን ብምምካት እቲ ቕኑዕ ምስሊ ህዝቢ ትግራይ ንምንጽብራቕ ምዃኑ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ምንቅስቓስ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝበጽሐ በደል ይቕረታ ክሕተትን፡ ብሰንኪ እቲ ጎስጓስ ዝተሃሰዩ ድማ ክካሓሱን" ዝሓትት ኮይኑ፡ ንመጻኢ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት በደል ከምዘይፍጸም ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ይሕብር።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ምንቅስቓስ፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምውዳብን ህዝባዊ ተቓውሞታት ብምክያድን፡ ዓለም ለኸ ሚድያታትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሰባት ብዓሌቶምን መንነቶምን ንኸይጥቅዑን ከይጉድኡን ቆላሕታ ንክገብራሉ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት