ፊደላት ንምድሓን ብረት ዝመዘዙ ጸሓፊ ታሪኽ መምህር ገብረኺዳን ደስታ

መምህር ገብረኺዳን ካብ ኢድ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ሽልማት እንትቕበሉ Image copyright Memhir Gebrekidan
ናይ ምስሊ መግለጺ መምህር ገብረኺዳን ካብ ኢድ ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ሽልማት እንትቕበሉ

ኣብታ "ልቢ ዛና ምስ ኣእዛና" ዝበሃለላ ወረዳ እዮም ተወሊዶም።

ከምቲ ብዙሕ ትግራዋይ ፈላሚ ምድብ ስረሖም መጓሰ ዀነ። ወለዶም፡ ወዶም ምስ ፊደል ክላለ ናብ ቤት ትምህርቲ ቤተ ክህነት ኣእተውዎም።

ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ትምህርቲ ክህነት ዛዚሞም፤ ናብ ጐንደር ብምኻድ ድማ ቅኔ ዜማ ተማሂሮም።

ደሓር ናብ ዓዶም ተመሊሶም ኣብ ከተማ ደርበ ኸርበ ዛና፡ ኣብ እንዳ የኔታ ናሁሰናይ፡ ዜማታት ማህሌታይ ያሬድ ተማሂሮም። ትጉህን ስሙይን ሊቅ ብምዃን ድማ ኣገልገሉ።

"[ደሓር] ግን ተጋሩ ንጐንደር ኣምሓርኛ እምበር ቅኔ ክመሃሩ ከም ዘይኸዱ ተረዲአ። ጥንታዊ ግእዝ ኣብ ሓረስታይ ትግራዋይ እዩ ዘሎ። እቲ ሕዚ ዝዝረብ ዘሎ ግእዝ፡ እቲ ብዘበነ ኣኽሱም ዝነበረ ድምፁ የለን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ኣምሓርኛ ድምፂ እዩ ሒዙ ዘሎ" ይብሉ መምህር ገብረኺዳን ደስታ።

እዚ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ብዛዕባ ግእዝ ቋንቋ ኣኽሱማውያን ምርምር ምስ ኣካየዱ ዝበጽሑዎ ምዃኑ እዮም ዝዛረቡ።

ብኸመይ ናብ ዘበናዊ ትምህርቲ ኣትዮም?

ኣብ ከተማ ጐንደር ቈልዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ውርሕሪሕ እንትብሉ ርእዮም "እዚኦም ከ'ታይ ዝገብሩ እዮም?" እንትብሉ ሓተቱ።

'ኣስኳላ' ዝመሃሩ ምዃኖም ምስ ተሓበረሎም "ኣነ ዘይፈልጦ ትምህርቲ እውን'ዶ ኣሎ እዩ!" ኢለ ደሓር ናብ ዛና ምስ ተመለስኩ፤ ንዓባይ ሓፍተይ ሓሙሽተ ሕምባሻ ሰንክትለይ ኢለ ኣብ ቁፋዳ ቋፂረ ናብ ኣኽሱም ብእግረይ ከይደ ክመሃር ሓቲተ ኣይሰመረለይን" ይብሉ።

ብኡ ቐፂሎም ንሽረ ብምኻድ ተመዝጊቦም፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ ናብ ሓምሻይ ክፍሊ ሓሊፎም። ካብ ሻውዓይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ድማ ኣብ ጐንደር ተማሂሮም።

ምስቲ ኣብ ቤተ ክህነት ዝተመሃርዎ ዓᎁቝ ትምህርቲ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስነ መለኰት እንተዝመሃሩ ዝበለፀ ክኸውን ከምዝኽእል ሊቃውንቲ ስለ ዝሓበሩሎም፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ መለኰት (ቲኦሎጂ) ትምህርቲ ጀመሩ።

ሻቡ ማሕበር ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተጣየሸሉ እዋን ብምንባሩ፤ ተምሃራይ ገብረኺዳን ደስታ ናብ ባሕሪ ፖለቲካ ጣንዮም፤ ትምህርቶም ጠንጢኖም ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ቀንዲ ተዋሳኢ ምዃን መረፁ።

ተምሃሮ ጭርሖታት ተሓንጊጦም ቅልቅል በሉ። "መሬት ንሓረስታይ"፣ "መሰል ብሄርን ብሄረሰብን ይከበር"፣ "ጉዳይ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ይፈታሕ" ፣ "ኵናት ቻይና ደው ይበል"፣ "ሕቶ ፍልስጤማውያን ክምለስ ኣለዎ"፣ "ዘርኣዊ ስርዓት ደቡብ ኣፍሪካ ክውገድ ይግባእ" ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሎም ከጐሃህሩ ጀመሩ።

በዚን ክንዲ'ዚን መምህር ገብረኺዳን ብ1959 ዓ.ም ብጥይት ተወቒዖም። መስራትን ግዳይን ምንቅስቓስ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኰኑ።

Image copyright Memhir Gebrekidan

'ትግራይ ናይ ሃብታም ድኻ'

"ብ1962 ዓ.ም ትግርኛ ተዛረብቲ ክቕተሉ ኣለዎም ተባሂሉ ነይሩ። '12 ክፍለሃገር ንኽልተ ክፍለሃገር ከጥፋአአን ኣለወን' ዝብል ሓያል ጐስጓስ ተኻይዱ።

እዚ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ተበቲኑ ነይሩ" ይብሉ መምህር ገብረኺዳን።

ካብ 1961 ዓ.ም ጀሚሩ ዝፍሕም ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብ1963 ዓ.ም ማሕበር ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ ተመስሪቱ።

ኣብዚ ግዜ እዚ መምህር ገብረኺዳን "ትግራይ ናይ ሃብታም ድኻ" እትብል ወትሩ ካብ ዓይነ ሕልናኦም ዘይትጠፍእ ግጥሚ ፅሒፎም ኣንበቡ።

ኣብቲ እዋን ተጋሩ ንግስነት ኣኽሱማውያን ንኸምልሱ እዮም ላሕ ዝብሉ ዘለዉ ዝብል ጐስጓስ ብምንባሩ፡ ንተጋሩ ተጠመትቲ ዝገብር ወፍሪ ተጀሚሩ።

ብፍላይ "ጥላሁን ግዛው ትግራዋይ እዩ ናብ መሪሕነት እቲ ማሕበር ከይትመርፅዎ" ዝብል ወረቐት ምስ ተበተነ፡ ኣፈላላይ ጐሊሑ ነናትካ ብሄር ፈሊኻ ምምስራት ተጀሚሩ።

"ኣነ ብትግርኛ ግጥሚ ስለዝፀሓፍኩ 'ጠባብ ብሄርተኛ' ዝብል ስም ኣልጊቦምለይ። ትግርኛኻ እንተፀሊእኻ ሰፊሕ ኣረኣእያ ዘለዎ ኢኻ ትበሃል፤ ትግራዋይነትካ እንተፈቲኻ ኢኻ ፀቢብ ዝብሉኻ" ብምባል ወላ እውን ክሳብ ሕዚ ዘይሓወየ ስምብራት ምህላዉ ይገልፁ።

ፈተነ ቅትለት ኣብ ባህር ዳር

መምህር ገብረኺዳን ኣብ ባህር ዳር ቋንቋ ኣምሓርኛ ይምህሩ ነበሩ። ሓደ እዋን 'ሆሄያት' እንተምህሩ፡ ተምሃሮ "ሃዲስ ኣለማየሁ ሓደ ፀ፣ ሓደ ሰ፣ ሓደ ሀ እዩ ዘድሊ" ኢሎሙና እዮም፤ "ክልተ ሰለስተ ከም ዘየድሊ፡ ኣብ 'ፍቅር እስከ መቃብር' መጽሓፎም ኣስፊሮምዎ ኣለዉ፤ ስለ'ዚ ክተምህረና ኣይግባእን" ብምባል ይምጉትዎም።

መምህር ገብረኺዳን ብግዲኦም "ሃዲስ ኣለማየሁ ንኣምሓሩ ከምኡ ኢሎም ክኾኑ ይኽእሉ፤ እዚ ፊደል እዚ ግን ናይ ኣኽሱማውያን እዩ" ኢሎም ተሪር መልሲ ይህቡ።

"ነዚ ምላሽ ስለዝሃብኩ ብድሕሪኡ ኣብ ውድቅቲ ለይቲ፡ ብዳርባ እምኒ ዕስለ ገዛይ ሓመድ ገበርዎ። ኣነ ድማ ወንችስተር ዝበሃል ጠብመንጃ ነይሩኒ ተዅሲ ከፊተ፤ መሬት ዕንቍ ዀይና። ፋሕ ብትን ኢሎም ሃደሙ። ብድሕሪኡ እምበኣር ንህይወተይ የስግአኒ እዩ፤ 'ኣብዚ ዓዲ እዚ ኣይምህርን' ኢለ ብ1966 ዓ.ም ናብ ኣኽሱም ተመዲበ መፃእኹ" ብምባል የዘንትዉ።

ግደ ገብረኺዳንደስታ፡ ኣብ ምግዳል

ብ1968 ዓ.ም ወይን ጋዜጣ ክትምስረት፡ መምህር ገብረኺዳን ኣብ ፊደላት ትግርኛን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ምስ ተጋደልቲ ዘተ ንምክያድ፡ ካብ ኣኽሱም ናብ መሬት ዓጋመ፡ ማርዋ ዲማ ብምኻድ ዘትዮምን ሰሪሖምን ተመሊሶም። ቅድሚኡ ኣብ ህወሓት ብትግርኛ ኣይፀሓፍን ነይሩ።

"ብ1970 ዓ.ም ኢህኣፓ ክትቀትለኒ ምዃና ህወሓት ፈሊጣ፤ ካብ ኣኽሱም ወፂእኻ ኣብቲ ከባቢ ፅናሕ ተባሂለ ተኣዚዘ እየ ወፂአ። ናብ ሰለኽለኻ ምስ በፃሕኹ፡ መለስ በዛብህ ተቐቢሉኒ። ብድሕሪኡ ኣብ ባዶ ክልተ (ክፍሊ ተዓሊም) እናመሃረ ይፅናሕ ተባሂለ። ኣነ ተጋዳላይ ኰይነ ኣብ ሜዳ ትግራይ ክጋደል ኣለኒ ኢለ ኣይከድኩን፤ ውድብ ህወሓት እውን ክጋደል ኣለዎ ኢላ ሓሲባቶ ኣይትፈልጥን" ይብሉ መምህር ገብረኺዳን።

ብኸምዚ መልክዕ፡ ንሜዳ ምስ ወፅኡ ሰለስተ ዓመት ኣብ ምግዳል ፀኒሖም።

ሻቡ ንህወሓት "ደቀይን በዓልቲ ቤተይን ካብ ኣኽሱም ናብ ሜዳ ትግራይ ኣውፅእለይ" ይብልዋ ነይሮም። ኰይኑ ግና ህወሓት ኣብቲ ብ1972 ዓ.ም ኣብ ኣኽሱም ዘካየደቶ ስርሒት ተዛሚዱ፡ ምውጻእ ስድራ መምህር ገብረኺዳን ተሓላሊኹ።

መምህር ግን 'ስድራይ ወፂኦም እዮም ዝዀኑ' ኢሎም ዕዳጋ ሰሉስ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣኽሱም ክቕበሉ ህንጥው ኢሎም እንተተፀብዩ'ኳ፤ ዶ/ር ኣታኽልቲ ቀፀላ(ስውእ) እቶም ስድራ ክወፅኡ ከምዘይከኣሉ ነጊሩዎም።

መምህር ምሒር ጉሂዮም "እምበኣር ኸስ ስድራይ ባዕለይ ከውፅኦም እየ" ኢሎም ናብ መዓንጣ ደርግ ናብ ሽረ ኣተዉ።

ደርግ ተገልቢጡ ናብ መቐለ ወሲዱ ትሻዕተ ኣዋርሕ ኣሲሩዎም። ሻቡ ብሄራዊ ሕቶ ዝብሉን ካልኦትን ብትእዛዝ ፀሓፍ ተባሂሎም ብምፅሓፍ ምስ በዓልቲ ቤቶም ወረቐት መለለዪ መንነት ብምሓዝ ካብ መቐለ ብደብሪ ገፅ ደቆም ሒዞም ጠፊኦም ክወፅኡ ዳግም ወሲኖም።

ኰይኑ ግና በዓልቲ ቤቶም ስለዘይፈቐዳ ኣይቀነዖምን። ብድሕሪኡ 'ምበኣር ንኣዲስ ኣበባ ስደዱኒ ኢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣተዉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይኖም ብ1973 ዓ.ም ናብ ህወሓት መልእኽቲ ልኢኾም፤ ብ1974 ብዕሊ ስርዒት ኰይኖም ሕቡእ ቃልሲ ኣብ ከተማ ጀሚሮም። ክሳብ ደርግ ዝወድቕ 1983 ዓ.ም ድማ መልእኽቲ ብምልእኣኽ ኣገልጊሎም።

"ቀጥቅጥ መዝራዕቱ ወለጥእ ወለእኩይ"

ብ1971 ዓ.ም ቀዳማይ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ማይ ኣባይ ምስተኻየደ፡ ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ጕኒ ህወሓት ምእንቲ ክስለፍ "ሓፋሽ ይንቃሕ! ይወደብ! ይታዓጠቕ" ተባህለ።

ኰይኑ ግና ካህናት ትግራይ ኣንፃር እቲ 'ይታዓጠቕ' ዝብል ሓሳብ ተቓውሞ ኣስምዑ። "ተወደብ! ተዓጠቕ ኢልና ኣይነስተምህርን" ብምባል ሽምጦም ገቲሮም መጐቱ። ምኽንያቱ ካህን ተዓረቑ እምበር ተዓጠቑ ኣይብልን ዝብል ሓያል መካትዒ ቅዋም እዮም ኣቕሪቦም።

ካህናት ትግራይ ተወሳኺ መርገፂ ሒዞም ደው በሉ። "ተጋደልቲ ህወሓት ቤተ ክርስትያን ኣይሳለሙን፣ ምስ ኣስላም ብሓባር ይበልዑ፣ ሰንበት ምድሪ እናደረፉ ይሓድሩ" እዚ ክኹነን ኣለዎ ኢሎም እውን ገጠሙ።

እዚ ንህወሓት ሰፍ ዘይብል ማሕለኻ ኰይኑ ኣብ ቅድሚኣ ተገተረ። ውድብ ጨነቓ። "ባንዴራ ኢትዮጵያ ድማ ንዓና ንኢትዮጵያውያን ንኖህ ዝተወሃበት እያ" ብምባል ኣንፃር ነቲ ኣብ ኩለን ወረዳታት ሓራ መሬት ትግራይ ዝተሰቐለ ባንዴራ ህወሓት ተፃበእዎ።

ሻቡ መምህር ገብረኺዳን ኣንፃር እዚ ሓሳብ እዚ መትከላዊ መርገፂ ሒዞም ቅልቅል በሉ። እታ ባንዴራ ሚኒልክ ዘምፃኣ እምበር ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣይኰነትን፤ መቐጥቀጢ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኰይና ትርከብ። ነዛ ባንዴራ ዝሓዘ ደርግ ንህዝቢ ይጭፍጭፍ'ሎ ዝብል መካትዒ ሒዞም ቀረቡ።

ኣብ ከባቢ ኣኽሱም ጭላ ኣብ ዝበሃል ቦታ ንፈለስቲ ገዳም ደብረ መንኰል ሒዞም ነታ ባንዴራ ሓዊ ሮኵዖም ኣንደድዋ።

"እታ ባንዴራ ንኢትዮጵያ ዘይትውክል፡ ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ፡ ሚኒሊክ ናብ ትግራይ ሒዙዋ ዝመፀአ ባንዴራ ኢያ" ዝብል ኣስተምህሮ መምህር ገብረኺዳን ክሳብ ምቅፃል ባንዴራ ዘሊቑ።

ውድብ ህወሓት ንመምህር ገብረኺዳን ተጐዝጕዛ፡ ኣረኣእያ ካህናት ትግራይ ንምቕያር ወፈረት። ንፈለማ እዋን ንፈተነ ኣብ እገላ፡ ሃይሉ ሳንቲም ዝበሃል ክፍሊ ህዝቢ ንካህናት ኣኪቡ፡ መምህር ገብረኺዳን ኣስተምህሮ ጀመሩ።

"ቀጥቅጥ መዝራእቱ ወለኅጥእ ወለእኩይ፤ ደርግ ክቕጥቀጥ ኣለዎ" ብምባል ንካህናት ከእምኑ ሒዅ በሉ።

ድሕሪ ነዊሕ ኣስተምህሮን ድኻምን፡ ደርግ ተዘይተቐጥቂጡ ሃይማኖት፣ መንነትን ህዝብን ዝበሃሉ ኣይክህልዉን ዝብል ኣስተምህሮ መምህር ገብረኺዳን ብርኡይ ፍረ ኣፍርዩ። "ንካህናት ትግራይ ከላሽን ኣዕጢቐዮም" በሉ መምህር ገብረኺዳን።

ጸሓፋይ መምህር ገብረኺዳን

ብ1987 ዓ.ም ኣካዳሚ ቋንቋትታ ትግራይ ክምስረት ኣለዎ ተባሂሉ ኣብ ትግራይ ፈላሚ ኣውደ መፅናዕቲ ምስተኻየደ ንዕኡ ስዒቡ ብ1988 ዓ.ም "ፅውፅዋይ ትግርኛ" እትብል መጽሓፍ አሐቲሞም። ብድሕሪኡ"መቐረት ምስላትታ ትግርኛ" ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም።

"ብ1997 ዓ.ም 'ትግሬ ወደ መቀሌ ንብረቱ ወደ ቀበሌ' ዝብል ጉድ መፂኡና። ሻቡ ብዛዕባ ትግራይ ብጩቕ ኢሉ ዝዛረብ ሰብ ተሳእነ። 'ኣንታ ሓደ ነገር እንዶ ግበሩ' እንተበልኩ ወይከ፤ ስቕያ ስቕ ኰይኑ" ዝብሉ መምህር ገብረኺዳን፡ ምስ ጨነቖም 'የትግራይ ህዝብ እና የትምክህተኞች ሴራ' ዝብል መጽሓፍ ኣሐቲሞም።

ገለ ሰባት ነዚ መጽሓፍ እንትነቕፉ፡ ንሶም ግን፡ "ልቢ ትግራዋይ ዘተርከሰት ንፀላእቱ ዘሕረረት መጽሓፍ አሐቲመ" ይብሉ።

ካብኡ ድማ ፡ "እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ፡ ገድሊ ሃፀይ ዮሃንስ 4ይ" ብትግርኛን ኣምሓርኛን ጽሒፎም።

ትግራዋይ ተታላሊ እዩ

"ትግራዋይ ተታላሊ እዩ፤ ኣማኒ እዩ። ርስን ይብል እሞ ዝሕል እንተይላ ይዝሕል። እዚኣ ክትቀሪ ኣለዋ። ንትግራዋይ ከጥፍኡ ድቃስ ዝስእኑ ሓይልታት ንዘልኣለም ኣለዉ። እዚኣ ኣሚኑ፣ ተጠንቂቑ፣ ሓድነቱ ዓቂቡ፣ ክነብር ኣለዎ። ክድቅስ የብሉን፤ እንተደቂሱ ከጥፍእዎ እዮም። ካብዚኣ ንላዕሊ ዝብሎ የብለይን። ብቑሸትን ወረዳን ዝሓስቡ፤ ካብ ኣፍንጭኦም ንላዕሊ ዘይሓስቡ ተገዛእቲ ኣለዉና። ህዝቢ ትግራይ ክጥንቀቐ ኣለዎ" ዝብል መኸምበቲ ድማ ሂቦም።

ጽምብል መርዓ፡ ድሕሪ 47 ዓመት ሓዳር

"ውሱናት ሰባት ምስታ ናይ ቀደም በዓልቲ ቤትካ ዲኻ ዘለኻ እንትብሉኒ እድንግፅ። ኣነ ኣብ ሓዳረይ ፅኑዕ እየ። ተግባረይን መልሓሰይን ሓደ እዩ። ሓዳሩ ዘየኽብር ንህዝቢ ትግራይ የኽብር እዩ ኢለ ኣይኣምንን። 'ቤቱ ከመሓድር ዘይኽእል ከመይ ኢሉ ኣመሓዳሪ ቤተክርስትያን ክኸውን ይኽእል' ይብል መጽሓፍ።

"ናተይን ናይ በዓልቲ ቤተይን ሓዳር ምስ ወላዲኣ ብዝነበረኒ ጥቡቕ ፍቕሪ እዩ ዝጅምር። ሓሙሽተ ቈልዑ ወሊድና 48 ዓመት ብሓባር ኣለና" መምህር ገብረኺዳን፡ ናይ መጀመርያ ፍቕሪ ኣብ ቤተሰብ ከም ዝውለድ ይኣምኑ።

ኣስማት ደቆም ርእሱ ዝኸኣለ ታሪኻዊ መበገሲ ኣለዎ። ቦኽሪ ወዶም ኢዛና፣ ጓሎም ወይኒ ትግራይ፣ ራኣዮም፣ ንቕያ፣ ሱርመሰል ይበሃሉ።

ኣብ ባህር ዳር ኣምሓርኛ እንትምህሩ፡ "ንምዃኑ መዓር ጥዒምካ ዶ ትፈልጥ" ኢሎም ንዝሓጨጩሎም ግብረ መልሲ፡ ጓሎም ወይኒ ትግራይ ኢሎም ስም ኣውፂኦምላ። ተጋደልቲ ንደደቢት ክወርዱ እንተለዉ ዝተወለደ ወዶም፡ ራኣዮም ይበሃል።

"ወያነ ንዓይ እናሰዓበት ኢያ ስም ተውፅእ፤ ሱር ኮንስትራክሽን ቅድሚ ምባሎም ወደይ ሱርመሰል ኢለ ስም ኣውፂአሉ እየ" በሉ መምህር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት