እስራኤል ንቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ትስልል ከምዝነበረት ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ኔታንያሁ ነጺግዎ

ኔታንያሁን ትራምፕን Image copyright Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ነቲ ሃገሩ ንኣሜሪካ ትስልል ከምዝነበረት ዝገልጽ ጸብጻብ፡ ነጺግዎ።

መጽሄት ፖለቲኮ፡ ንስለስተ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣመሪካ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝተረኸቡ ናይ ስለላ መሳርሕታት ናይ እስራኤል ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጺቡ ነይሩ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ኔታንያሁ ዝወጸ መግለጺ ግን፡ ነቲ ሓበሬታ "ጻዕዳ ሓሶት እዩ" ኢሉ።

"ኣብ ኣመሪካ ዝኾነ ዓይነት ናይ ስለላ ንጥፈት ከይግበር፡ መንግስቲ እስራኤል ንነዊሕ እዋን ዝሓዞ መርገጽን መምርሕን ኣለዎ" ኢሉ።

ብዛዕባ'ዚ ብጋዜጠኛታት ዝተሓተተ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እስራኤል ንኣመሪካ ትስልል ነይራ ኢሉ ከምዘይኣምን ተዛሪቡ።

እቲ ጸብጻብ እንታይ እዩ ዝብል?

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መጽሄት ፖለቲኮ ብሓሙስ እዩ ተሓቲሙ።

ኣብ እዋን መዝነት ትራምፕ፡ ኣብ ጥቓ ቤተመንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስን) ካልኦት ኣገደስቲ ቦታታትን፡ ሞባይል ናይ ዝጥቀሙ ሰባት መንነት ዘለልዩ መሳርሕታት (IMSI ካቸርስ) ተረኺቦም ነይሮም።

እዞም መሳርሕታት፡ ኣብቲ ከባቢ ሞባይል ዝጥቀሙ ሰባት እንከይፈለጡ፡ ዘለውሉ ቦታን መንነቶምን ዝገልጽ ሓበሬታ ክልእኹ ዝገብሩ እዮም።

Image copyright Reuters

ሓደ ካብቶም ስሞም እንከይገለጹ ነቲ መጽሄት ሓበሬታ ዝሃቡ ሰብመዚ፡ እቶም መሳርሕታት ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምስላል ዝተሰርሑ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።

በዚ መዳይ፡ ዕውት ዶ ነይሩ ኣይኮነን ዝብል ንጹር ዘይምዃኑ ድማ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት