ማክሮን ዝወጠኖ ጡረታ ዝምልከት ምምሕያሽ፡ ዓብዪ ተቓውሞ ገጢምዎ

ሓንቲ ሰበይቲ ስኩተር እናተጠቐመት Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለየ መንገድታት መጉዓዝያ ብምጥቃም ናብ ዋኒኖም ይወፍሩ

ፕረዚደንት ማክሮን ተሊምዎ ዘሎ ጡረታ (መልዕሎ) ዝምልከት ምምሕያሽ ብምቅዋም፡ ሰራሕተኛታት መጉዓዝያ ፓሪስ ኣድማ ብምግባሮም፡ እታ ከተማ ብብዝሒ መካይንን፡ ሰባትን ተጨናኒቓ ምህላዋ ተገሊጹ።

ካብ 16 መስመራት እቶም ዓሰርተ ክዕጸው እንከለው፡ ኣብቶም ዝተረፉ'ውን እቲ ኣገልግሎት ኣዝዩ ተረቢሹ ኣሎ።

ብዙሓት ናብ ስራሕ ንምኻድ ዝተጸገሙ ሰራሕተኛታት ክቦኽሩ ከለው፡ ካልኦት ብብሽክለታን ብእግርን ክጓዓዙ ተገዲዶም ኣለው።

ካብ 2007 ንደሓር ዝዓበየ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ እዚ ኣድማ፡ ፕረዚደንት ማክሮን ተሊምዎ ንዘሎ ውጥን ብምቅዋም ዝተገበረ ናይ መጀመርታ ዝዓበየ ስጉምቲ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ውጥን፡ ብርክት ናይ ዝበሉ ዝተፈላለዩ ሞያታት ናይ መልዕሎ (ጡረታ) ኣሰራርሓ ክቕይር እዩ።

ጠበቓታት፡ ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየርን፡ ጥዕናን ዝርከብዎም ኣብ ካልእ ሞያ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት'ውን ንሰኑይ ኣድማ ጸዊዖም ኣለው።

ኣብ ከተማ ፓሪስ ናይ 235 ኪሜ ናይ መካይን ምጭንናቕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ሰብ መዚ ገሊጾም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት