ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ግብረሽበራ ንምቅላስ ሓድሽ ውጥን የውጽኣ

ወታሃደራት ማውሪታንያ ኣብ ሓደ መኣዘዚ ነቑጣ ጉጅለ 5 ሳሕል Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ወታሃደራት ማውሪታንያ ኣብ ሓደ መኣዘዚ ነቑጣ ጉጅለ 5 ሳሕል

ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ዞባ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘለ ጸገም ጸጥታ ንምዝታይ ኣብ ቡርኲናፋሶ ተኣኪቦም።

ኣቐዲሙ ብ5 ሃገራት ዝቖመ ወታሃደራዊ ልፍንቲ፡ ነቲ ኣብ ማሊ፣ ቡርኲናፋሶን ኒጀርን ብቐጻሊ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከህድኦ ኣይከኣለን።

እቲ ብጉጅለ 5 ሳሕል ዝፍለጥ ሓይሊ፡ ብ3000 ሓይሊ ሰራዊት ፈረንሳ ዝድገፍ'ዩ።

ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ነቲ ዝጸንሐ ውጥናት ጸረ-ግብረ ሽበራ ብምኽላስ፡ ካልእ ህጹጽ ወጥን ከዳልዉ ትጽቢት ይግበረሎም።

መራሕቲ ናይተን ሃገራት፡ ኣብዚ ዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበት ናብ ርእሰከተማ ኡጋዱጉ ብምኻድ ነቲ ስምምዕ ክፍርምሉ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ መሓመድ ኢብን ቻምባስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እተን ሃገራት "ብሓባር ነቲ ብድሆ ክገጥማ ኣለወን" ኢሉ።

"ኣብቲ ዝግበር ዝተወሃሃደ ጻዕሪ፡ ንሃገራት ገማግም ባሕሪ'ውን ምስ ሃገራት ሳሕልን ቀላይ ቻድን [ዘሳትፍ'ዩ]" ኢሉ።

ዞባ ሳሕል፡ ካብ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ዝምንጩ ናይ ጸጥታ ስግኣት እናዓበየ ክኸደሉ ዝጸንሐ ከባቢ'ዩ።

ምስ ኣልቃዒዳን ጉጅለ ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም እስላማውያን ጉጅለታት ቀጻሊ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸኒሐም ኣለዉ።

ብሰንኪ'ዚ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምቐታሎምን፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ህዝቢን ከም ዝሰዓበ ይፍለጥ።