ዚምባብወ፡ ናይ ቀደምን ሕጅን መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ሙጋበ ተረኺቦም

ኣስከሬን ሙጋበ ኣብ መንበሪ ገዝኡ መስከረም 12 2019 Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣስከሬን ሙጋበ ኣብ መንበሪ ገዝኡ

ልዕሊ ዓሰርቲ ዝኾኑ ናይ ቀደምን ሕጂን መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብቲ ብቀዳም ዝተፈጸመ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር፡ ሮበርት ሙጋበ ተሳቲፎም።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ሃራረ ዝተኻደ ስነስርዓት፡ መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ስሪል ራማፎዛ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ናይ ቀደም መራሒ ጋና ጀሪ ራውሊንግስን መራሒ ዛምብያ ነበር ከነት ካውንዳን ዝርከብዎም መራሕቲ ተሳቲፎም።

ኣብቲ ኣብ ሃገራዊ ስታድዮም ስፖርት ዝኻየደ ስነስርዓት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ክርከብ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ርብዒ ናይቲ ስታድዮም'ውን ኣይመልኡን።

እቲ ድሮ ናብ ሃራረ ኣትዩ ዘሎ፡ ኣብ 1979 ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ጊኒ ቲዎዶር ኦብያንግ፡ ሙጋበ መሬት ካብ ጸዓዱ ኣሕዲጉ ንጸለምቲ ብምሃቡ ወትሩ ብህዝቡ ክዝከር ምዃኑ ገሊጹ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ክርከብ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ርብዒ ናይቲ ስታድዮም'ውን ኣይመልኡን

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሙጋበ ሽግር ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ጥራይ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ተሪር መርገጺ ምውሳዱ ክምጎስ ይግብኦ ኢሉ።

እቲ ምስ ተዓልወ ዝተከኦ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ብወገኑ፡ ሮበርት ሙጋበ መስራትን ሓርበኛን እታ ሃገር ብምዃኑን፡ ወትሩ ክኸብር ኣለዎ ኢሉ። መሬት ካብ ጸዓዱ ብምምንጣል ንጸለምቲ ደቂ እታ ሃገር ምሃቡ ቅኑዕ ከም ዝኾነን ከም ዘይቅየርን'ውን ምናንጋግዋ ቃል ኣትዩ።

ሓደ ካብ ቤተሰብ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ዘስምዖ መደረ ድማ፡ መጋበ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ምውራዱ ኣዝዩ ከም ዘጉሃዮን፡ ምስ ጓሂኡ ከም ዝዓረፈን ተዛሪቡ።

ብዙሓት ደቂ ዚምባብወ፡ ንሙጋበ በቲ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ስልጣኑ ዝተርኣየ፡ ፖለቲካዊ ረጽምን ቁጠባዊ ሕንፍሽፍሽን ዘይኮነ ብዓወታቱ ክዝክርዎ ከም ዝመረጹ ሪፖርተር ቢቢሲ ይጽብጽብ።

ንሙጋበ ተኪኡ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ዝካየደሉ፡ ሃገራዊ ስታድዮም ስፖርት ተረኺቡ ነቶም ሓዘንተኛታት ቃል ከስምዕ እዩ።

በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቑጠባዊ ዝቕባበን ሽቕልት ኣልቦነትን ሕጉሳት ዘይኮኑ ብዙሓት ነበርቲ ሃራረ ግና ኣብቲ ስነስርዓት ከም ዘይርከቡ ይገልጹ።

"ብምኻዱ [ሙጋበ] ሕጉሳት ኢና። ስለምንታይ ኣብ ስነስርዓት ቀብሩ ይርከብ? ነዳዲ የብለይን. . . ብዛዕብኡ ዝኾነ ነገር ክንሰምዕ ኣይንደልይን ኢና፤ ጠንቂ ናይ ሽግራትና እዩ" ክብል ሓደ ተቐማጢ ሃራረ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ፡ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ሓመድ ኣዳም ክለብስ ምዃኑ ካብ ስድራቤቱ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት