ኣሜሪካ፡ ንመጥቃዕቲ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንኢራን ተሓታቲት ገይራ

ትካል ነዳዲ ኣብቃይቕ Image copyright Reuters

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐዮ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኢራን ከም ዝተኻየደ ገሊጹ።

ንሱ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብየመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ ተፈጺሙ ንዝበል ሓበሬታ ነጺግዎ።

ሚኒስትሪ ጸዓት ስዑዲ ዓረብ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንመፍረ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ 5.7 ሚልዮን በርሚል ከም ዝነከዮ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ወጋታት ነዳዲ ዓለም ዓብይ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል'ውን መዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ።

ማይክ ፓምፐዮ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፤ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ካብ የመን ከም ዝተበገሳ ዝኾነ መርትዖ ከምዘየለ ሓቢሩ።

ወሲኹ፡ ኩለን ሃገራት ዓለም ብግህዶን ብዘየወላውል መገዲን ንኢራን ክኹንንዋ ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራመፕ፡ ኣሜሪካ ስዑዲ ዓረብ ነብሳ ክትከላኸል ሓገዛ ክተበርክ ምዃና ሓቢሩ'ሎ።

ትማሊ ክልተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ሱዕዲ ዓረብ ብሰብኣልቦ በረርቲ (ድሮን) ከም ዝተቓጸለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

የመናውያን ዕጡቓት ጉጅለ ሑቲ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ባዕሎም ከም ዘካየድዎ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣፈኛቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ያሕያ ሳሪያ፡ ንመደበር ተለቭዥን ኣልሚስራሕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 10 ሰብኣልቦ በረርቲ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተሳተፋ ሓቢሩ።

ተለቭዥን ኣልሚስራሕ መደበራ በይሩት፡ ሊባኖስ ኮይኑ ብጉጅለ ሑቲ እትውነን'ያ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መጻኢ ክቕጽል ከም ዝኽእል'ውን እቲ ኣፈኛ ኣጠንቂቑ።

እቲ በቲ መጥቃዕቲ ዝተቓጸለ ትካላት ብመንግስታዊ ኩባንያ ነዳዲ ኣራምኮ ዝወነን እዩ።

ሃልሃልታ ሓዊን ዕሙር ትኪን ካብቲ ኣብ ኣብቃይቅ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ ናይቲ ኩባንያ ዝዓበየ መጻረዪ ነዳዲ፡ ክወጽእ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ።

ካልኣይ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ድማ፡ ኣብቲ ኩራይስ ዝተባህለ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ምንጪ ነዳዲ ተፈጺሙ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ሱዕዲ ዓረብ

ብመሰረት እቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና፡ እቲ በቲ መጥቃዕቲ ዝተወለዐ ባርዕ ኣብዚ እዋን'ዚ ጠፊኡ'ሎ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተገብሩ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት፡ ምስ ኢራን ምሕዝነት ዘለዎም የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ፈጺሞሞ ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ነይሩ'ዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና፡ ነዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ መን ከም ዝፈጸሞ ኣይተዛረበን።

"ሰዓት 04፡00፡ ኣባላት ጸጥታ ኣራምኮ ነቲ ኣብ ኣብቃይቅን ኩራይስን ዝርከብ ክልተ ትካላት ብሰንኪ ድሮንስ ዝተወለዐ ባርዕ ንምጥፋእ ክቃለሱ ጀሚሮም" ክብል ኣገልግሎት ዜና ሱዕዲ ተዛሪቡ።

"ክልቲኡ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ'ሎ።"

ኣብቃይቕ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ኣስታት 60 ኪሜ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ዳህራን ዝርከብ ኮይኑ፡ እታ 200 ኪሜ ንደቡባዊ ምዕራብ ካብኡ'ዩ እትርከብ ኩራይስ ድማ ኣብታ ሃገር ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ነዳዲ ዝወጸሉ ቦታ'ዩ።

እዚ መጥቅዕቲ'ዚ፡ እቲ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ኣጽዋር እናተራቐቐ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር ኮይኑ፡ ንሱዕዲ ስትራተጂካዊ ብድሆ ኮይኑ ከም ዘሎ ዘርኢ'ዩ ይብሉ ተንተንቲ'ቲ ናይቲ ዞባ።

ብሰልቦ ነፈርቲ ከምዚ ዓይነት ሃስያ ከውርዱ ምኽኣሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ካብ ኣምጺኦሞ ዝብል ክትዕ ከልዕል ከም ዝኽእል'ውን ዘጠራጠር ኣይኮነን ይብሉ።

ቅድሚ ሕጂ ሱዕድን ምምሕዳር ትራምፕን፡ እቲ ጉጅለ ብኢራን ዝድገፍ'ዩ ብምባል ክነቕፉ ጸኒሐም'ዮም።

Image copyright Reuters

እታ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ብምቛም ኣብቲ እቲ ጉጅለ ዝቆጻጸሮም ከባቢታት የመን ከቢድ ዕንወት ዘስዓበ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ከተካይድ ምጽንሓ ይዝከር።

ነዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከም እትወስድ ዛጊት ኣይተዛረበትን ኣላ።

ጉጅለ ሑቲ፡ ንመንግስቲ የመን ብምስዓር ኣብ 2015 ንርእሰከተማ ሰንዓ ዝተቖጻጸሩ ዕጡቓት ጉጅለ'ዮም።