ጥልያን፡ ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት መርከብ ናብ ላምፓዱሳ ክትኣቱ ኣፍቒዳ

ኦሻን ቫይኪን Image copyright EPA

መንግስቲ ጥልያን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 82 ስደተኛታት ሒዛ ንሽደሽተ መዓልቲ ዝጸንሐት ኦሻን ቫይኪን ዝተባህለት መርከብ ናብ ላምፓዱሳ ክትኣቱ ኣፍቂዱ።

መንግስቲ ጥልያን ከምዝበሎ፡ ነዞም ስደተኛታት ንኽኣተው ዘፍቀደሎም ቀንዲ ምኽንያት ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክግዕዙ ስለዝተወሰነ እዩ ኢሉ።

ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ነበር ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ነተን ናይ ረድኤት መራኸብ፡ ስደተኛታት ሒዘን ናብ ዓዲ ጥልያን ከየራግፋ ብቀጻሊ ይዓግተን ነይሩ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጥልያን ሊዊጂ ደሜዮ ንቴለቨዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኤውሮጳዊ ሕበረት ንሕቶና ተቀቢሉ፡ ንዝበዝሑ ስደተኛታት ክወስድዎም ስለዝተሰማምዑ እዩ ናብቲ ውሑስ ቦታ ክኣተው ተገይሩ ክብል ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን፤ እዚ ንወደባትና ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረና ፖሊሲ ናብ ክፍቲ ምምላስ ኣየመልክትን ኢዩ ክብል ገሊጹ።

ትማሊ ቀዳም፡ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳይ ክሪስቶቨ ካስተነር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኤውሮጳዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ ጥልያን፤ ጀርመን፤ ፖርቱጋል ከምኡ'ውን ላክስንበርግ ከም ዝተበጸሐ ሓቢሩ።

ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን'ውን ብወገኑ፡ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተው 25% ሚእታዊት ስደተኛታት ክትወስድ ምዃና ሓቢሩ'ሎ።

እዞም ኣብ ላምፐዱሳ ክኣትው ተፈቂድሎም ዘሎ ስደተኛታት፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝደሓኑ ኮይኖም፡ እታ መርከብ 58 ደቂ ተባዕትዮ፤ 6ተ ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን 18 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ተሰኪማ ነይራ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ጥልያን ግሪኽን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃን ቱርክን ስደተኛታት ሒዘን ብዝመጻ መራኽብ ተሸጊረን ምንባረን ዝዝከር እዩ።

ዝሓለፈ ሐሙስ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝነበሩ 98 ስደተኛታት፡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ከም ዝተወስዱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሓቢሩ ነይሩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ሶማልያን ሱዳንን ኮይኖም፡ እቶም 52 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ እዮም።