ኣብ ሜክሲኮ ኣስታት 44 ኣስከሬን ደቂ ሰባት ከምዝተረኸበ ተገሊጹ

ኣብ ኣለሻ እስከሬናት ዝነጥፋ ዘለዋ ማሽነሪታት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣለሻ እስከሬናት ዝነጥፋ ዘለዋ ማሽነሪታት

ተመራመርቲ 'ፎረንሲክ' ሃገረ ሜክሲኮ ኣብ ግዝኣት ጃሊስኮ፡ ኣብ ውሽጢ ዒላ ተቐቢሮም ዝነበሩ 44 ኣስከሬን ደቂ ሰባት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ከተማ ጓድላጃራ ውጽእ ኢልካ ዝተረኸበ ኣስከሬን፡ ብ119 ጸለምቲ ፌስታላት ተጠቕሉሉ ከምዝተረኸበ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ መፈለምታ ወርሒ መሰከረም ዝተረኸበ እዚ ጎዳጉዲ፡ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ብጨና ምስዝተጸገሙ ንመንግስቲ ኣብየት ድሕሪ ምባሎም እዩ ተረኺቡ።

ጃሊስኮ ካብተን ብኣዘዋወርቲ ዕጸ-ፋርስ ዝተጨናነቓ ግዝኣታት ሓንቲ ክትከውን እንከላ፡ ንኻልኣይ ግዜ እዩ ጅምላ መቓብር ተረኺቡላ ዘሎ።

መብዛሕትኡ ኣስከሬናት ኣዝዩ ዝተቖራረጸ ብምንባሩ፡ እቶም ተመራመርቲ መንነቶም ብዝግባእ ንኽለልዩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብሓንሳብ ኣላጊቦሞ።።

ብዙሓት ኣስከሬናት ዛጊድ መንነቶም ከምዘይተፈልጠ'ውን ተሓቢሩ።

ኣብ ስራሓት ኣለሻ ዝጠፍኡ ሰባት ዝነጥፍ ሃገር ቦቀል ትካል ካልኦት ተወሰኸቲ ሰብ ሞያታት ክለኣኸሉ ንመንግስቲ ሓቲቱ ኣሎ።

ዛጊድ ኣብቲ ዕዮ ዝነጥፍ ዘሎ ከባብያዊ ክፍሊ 'ፎሪንሲክ' ዝተማልአ መሳርሕታት ከምዘይብሉ ይግለጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት