ክልል ኣምሓራ፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ነበርቲ ጎንደር ሰልፊ ኣካይዶም Image copyright AMMA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ነበርቲ ጎንደር ሰልፊ ኣካይዶም

አብ ክልል ኣምሓራ፡ ተኸተልቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቤተ ክርስትያን ይበጽሕ ኣሎ ብዛዕባ ዝበልዎ መጥቓዕቲ ደው ይበል ዝብል ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ከተማ ጎንደርን ካልኦት ሰለስተ ከተማታትን ክልል ኣምሓራ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ እታ ቤተ ክርስትያን ምቅጻል ኣብያተ ክርስትያናት ኮኒኖም።

ቤተ ክርትስያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ግቡእ ሓለዋ ክግበረላን እቶም ዝዓነዉ ኣብያተ ክርስትያናት ድማ ዳግመ ህንጸት ክግበረሎም እቶም ሰልፈኛታት ጻዊዒት ኣቕሪቦም።

ተኸተልቲ እታ ቤተ ክርስትያን፡ ንሎሚ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተጸዊዑ ዝነበረ ሰልፊ ናብ ካልእ ግዜ ከም ዝተሰጋገረ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

እቲ ዝተናውሐ ሰልፊ 'ፖሎቲካዊ ስምሚታት' ዘለዎ እዩ ኢሎም ዝነቕፍዎ ኣለዉ። እንተኾነ ግና፡ እቶም ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ 'ፖሎቲካዊ እዩ' ዝብል ነቔፌታ ነጺጎሞ።

ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ፡ 45% ሚእታዊት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኽተላ እታ ዝዓበየት ሃይማኖታዊ ትካል እያ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት