ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት፡ ምስ ግብጺ ዝግበር ዘተ 'ኣብ 4 ዓመት ምዕባለ ኣየርኣየን'

ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ፡ ኣብ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ነይሮም Image copyright Anadolu Agency
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ፡ ኣብ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን

ግብጺ፡ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክትገብሮ ዝጸንሐት ዘተ፡ ምዕባለ ከምዘየርኣየ ገሊጻ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሜህ ሹክሪ፡ ምምሕዳር ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ምምላእ ማይ ናይቲ ግድብን ብዝምልከት ክካየድ ዝጸንሐ ሰለስተኣዊ ዘተ፡ ንዓመታት ምዕባለ ከምዘየርኣየ ዝገለጸ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ።

ምስ ኬንያዊ መዘንኡ ሞኒካ ጁማ ብምዃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እንትዛረብ፡ ግብጺ ካብ ሩባ ናይል እትረኽቦ ብጽሒታ ክሳብ ዘይተጸለወ፡ ኢትዮጵያ ግድብ ናይ ምህናጽ መሰል ከምዘለዋ 'ግብጺ ኣፍልጦ ትህብ እያ' ኢሉ።

እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ፡ 6000 ሜጋ ዋት ጸዓት ከፈልፍል ብምውጣን ዝተጀመረ ክኸውን ከሎ፡ ግብጺ ግን 'ሕጽረት ማይ ከጋድደለይ እዩ፡ ካብ ሩባ ናይል ዝረኽቦ ናይ ማይ ብጽሒተይ ክንክዮ እዩ' ብዝብል ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

ዝሓለፈ ቀዳም፡ ፕረዚደንት ግብጺ ኣብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ኣብ ዋዕላ መናእሰይ እታ ሃገር ተረኺቡ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ 2011 ኣብ ግብጺ ናዕቢ እንተዘየጋጥም ነይሩ፡ ኣብ ሩባ ናይል ግድብ ክህነጽ ኣይምኸኣለን ነይሩ ከምዝበለ፡ ኣህራም ዝበሃል ጋዜጣ ናይታ ሀገር ጸብጺቡ።

እቲ ፕረዚደንት "ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፡ ከምዚ ኢለ ተዛሪበ ኣይፈልጥን" ድሕሪ ምባል "ብሰንኪ [ናዕቢ] 2011 እዩ እምበር... ኣብ ሩባ ናይል ግድባት ኣይምተሃንጸን ነይሩ" ክብል ከምዝተዛረበ ጋዜጣ ኣህራም ጽሒፉ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ ግን ኢትዮጵያ ህንጸት ግድብ ዝጀመረት፡ ኣብ ግብጺ ህዝባዊ ናዕቢ ስለዝተፈጠረ ኣይኮነን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዋለኳ፡ ምጅማር ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ 2011 ብወግዒ እንተተገለጸ፡ ህንጸት ግን ኣብ መወዳእታ 2010 እዩ ተጀሚሩ ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፤ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝግበር ዘተ፡ ብሰንበት ኣብ ግብጺ፡ ከተማ ካይሮ ጀሚሩ'ሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክካየድ ዝጸንሐ ልዝባት ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ዘሎ ሚኒስተር ማይ፡ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ (ዶክተር)፡ ማይ ናይል ንኢትዮጵያ 'ጉዳይ ህላዌኣ' ምዃኑ ምዝራቡ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት