ኤርትራን ሱዳንን ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ከቲመን

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ Image copyright Yemane Gebremeskel
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ

እቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ምትሕግጋዝ ኣብ ምክልኻልን ወተሃደራዊ ጸጥታውን መዳያትን ከምኡ'ውን ቁጠባውን ዲፕላማስያውን ዘጠቓለለ እዩ።

እታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከቡላ ሱዳንን ብምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ምስ ሱዳን እትዳወብ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ዑመር ኣል በሽር ንሓድሕደን ዝካሰሳ ዝነበራ ኮይነን፡ ዶባተን ሓንሳብ ክኽፈት ሓንሳብ ክዕጾ እዩ ጸኒሑ።

ትማሊ ቐዳም ግን፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራን ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ፡ ሚኒስተር ጉዳይት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝርከብዎም ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ካብ 14-15 መስከረም 2019 ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ፡ ምስ ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ሱዳንን ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ሱዳንን ዘትዩ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንመትከላት ምኽባር ልኡላውነት፡ መሬታዊ ሓድነትን ሓድሕድ ምክብባርን ዝተብሃለሉ፡ ንሃገራውን ኣህጉራውን ግቡኣት ብዘይጻረር ኽልተኣዊ ምትሕግጋዝ ከምዝተሰማማዓ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ የብርህ።

ፕረዚደንት ኢሳእያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ከም ዝተራኸበን፡ ያርሞክ ናብ ዝተብሃለ ፋብሪካ ብረትን ናውቲ ህንጻን ከምኡ እውን ዛድና ናብ ዝተብሃለ ዋኒን ሕርሻን ከም ዝበጽሐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

Image copyright Yemane Gebremeskel

እቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዓት ከኣ እዚ ዝስዕብ ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ።

1. ምትሕግጋዝ ኣብ ምክልኻልን ወተሃደራዊ መዳያት፡ እዚ ምትሕግጋዝ'ዚ፡ ንሓይልታት ምድሪ፡ ኣየር፡ ባሕሪ፡ ወተሃደራዊ መሳንዕ፡ ስልጠናታትን ጥዕናን የጠቓልል።

2. ምትሕግጋዝ ኣብ ጽላት ቁጠባ-ንግዲ፡ ሕርሻ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ኢንዱስትሪ፡ ዕደና፡ ከምኡ እውን ሃብቲ እንስሳን ዓሳን።

3. ምትሕግጋዝ ኣብ ማሕበራዊን ባህላውን መዳያት-ትምህርቲ፡ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ማሕበራዊ ህንጸትን።

4. ምትሕግጋዝ ኣብ ጸጥታዊ መዳይ- ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ ህንጸት ዓቕምታት፡ ከምኡ እውን ምክልኻል ውዱብን ዶብ ሰገር ገበናትን።

5. ምትሕግጋዝ ኣብ መዳያት ፖሎቲካን ዲፕሎማስን፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራዉን መድረኻት።

6. ዞባዊ ድሌታት ንሰላም፡ ምርግጋእን ምትሕግጋዝን ንምስማር ዘገልግል ዞባዊ ምትእኽኻብ ንምቋም ምስራሕ።

ተግባራውነት ናይ'ዚ ስምምዕ'ዚ ንምርግጋጽ፡ ካብ ክልትኤን ሃገራት ላዕለዋይ ሽማግል ንኽቐውም እውን መምርሒ ተዋሂቡ ከምዘሎ እቲ ዝወጸ መግለጺ የብርህ።

ሃገረ ሱዳን ዑመር ኣል በሽር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንዝሓለፈ ኣስታት ሸመሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ቅልውላው እያ ጸኒሓ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዝጀመረ ህዝባዊ ተቃውሞ፡ ኣብ ሕብስትን ነዳድን ዝተወሰኸ ዋጋ ከምዘበገሶ'ዩ ዝጥቐስ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ነቲ ተወቓውሞ ዝመርሕ ዝነበረ ማሕበር ሞያተኛታት ሱዳንን ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን ኩነታት ሱዳን ዝተረጋገአት ይመስል።

ነታ ሃገረ ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክበጽሑን ክብጽሑን ይርኣዩ ኣለዉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ