'ብክልተ ጥይት ዝውቃዕ ዘሎ' ህዝቢ ምዕራብ ኦሮምያ

መንበሪ ገዛ ኣይተ ነጋሽ ፉፋ Image copyright Lammii Beenyaa/Facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ መንበሪ ገዛ ኣይተ ነጋሽ ፉፋ

ቀዳም ምሸት ሰዓት ክልተ (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ)፤ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ቄለም ወለጋ፡ ክልተ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ቅትለታት፡ ነቲ ነባሪ ጓሂ ፈጢርሉ ኣሎ።

"ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ተዅሲ ነይሩ። ብሰንኩ ድማ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም። መን ከምዝቐተሎም ዝተፈለጠ ነገር የለን" ኢሎም ስሞም ክጽራሕ ዘይደለዩ ነባሪ ናይቲ ከባቢ።

ካብ መንጎ እቶም ህይወቶም ዝሓለፈ፡ እቲ ሓደ ነባሪ ከተማ ጊዳማ ኮይኑ፡ ኣቶ ነጋሽ ፉፋ ዝበሃል እዩ።

እቲ ካልኣይ ድማ፡ ካብ ገጠር ዝመጸ ከምዝኾነ እቶም ነባሪ ተዛሪቦም።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ጊዳማ፡ ኣይተ ደሳለኝ ቱጁባ፡ እቲ ካልአይ መዋቲ ኣይተ ያዕቆብ ቶላ ዝበሃል ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ተኹሲ መጀመርያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዝተኸፍተ ኮይኑ፡ እቶም ዝሞቱ ብናይ መን ጥይት ከምዝኾነ ዛጊድ ኣይተፈለጠን ኢሉ እቲ ኣማሓዳሪ።

'ብክልተ ጥይት ዝውቃዕ ዘሎ ህዝቢ'

ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ፡ ንባዕሉ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) እየ ኢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ፡ ብስፍሓት እዩ ዝንቀሳቐስ።

ኣቦ መንበር ኦነግ ዝኾኑ፡ ኣይተ ዳውድ ኢብሳ፤ ቅድም ክብል፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ናይ ኦነግ ከምዘይኮነ እዮም ተዛሪቦም።

ይኹን'ምበር፡ ናይቲ ሰራዊት መራሒ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ፡ ጃል መሮ ብዝብል ሳጓኡ ብሰፊሑ ዝፍለጥ፡ ኩምሳ ዲሪባ ግን፤ በቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጸኒዑ ከምዝቕጽል እዩ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ዝተዓጠቐ ሓይሊ የለን ኢሉ ዝኽሕድ ዝነበረ መንግስቲ ድማ፡ ናብቲ ከባቢ ጸጥታ ዘኽብር ሓይሊ እንትልእኽ ይረኣይ።

ነቲ ኩነታት ብምስጋእ ናብ ኣዲስ አባበ ዝሃደሙ ሓደ ነባሪ ናይቲ ከባቢ፡ "ቀትሪ ብሓደ ጥይት፡ ለይቲ ድማ ብኻሊእ ጥይት ንውቃዕ ኣለና" ክብሉ መረረቶም ገሊጾም።

ብፍላይ ኣብ ከባብታት ገጠር ዝነብር ህዝቢ፡ በቲ ኩነታት ብምስጋእ፡ ስርሑ ገዲፉ ናብ ከተማ ይግዕዝ ምህላዉ ወሲኾም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ሰብ ኣብ ስርሑ ክውዕልን፡ ደቁ ናብ ቤት ትምህርቲ ክልአኽን ኣይከኣለን ድማ ይብሉ፡ እቶም ነበርቲ።

"ሓደ ሰብ ንመንግስቲ ወጊኑ እንተተዛሪቡ፡ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ስጉምቲ ይወስደሉ። ንኦነግ እንተወጊኑ ድማ መንግስቲ ስጉምቲ ይወስደሉ" ብማለት ኣብ መንቀራቕሮ ከምዝኣተወ ይዛረቡ።

ሳልሳኣይ ወገን ኢዱ ከእተውን ካብ ጸገሞም ከናግፎምን ድማ ሕቶ የቕርቡ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፡ ገለ ሓለፍቲ ናይቲ እቲ ወረዳ ከምዝተቐትሉ ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ