መጥቃዕቲ ነዳዲ ስዑዲ፡ ኣሜሪካ ስለምንታይ'ያ ነዳዲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ሓቢኣ ዘላ?

ልዕሊ 640 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ኣብ ግዝኣታት ቴክሳስን ሎውሲያናን ኣሜሪካ፡ ኣብ በዓትታት ትሕቲ ምድሪ ተኸዚኑ ኣሎ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ልዕሊ 640 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ኣብ ግዝኣታት ቴክሳስን ሎውሲያናን ኣሜሪካ፡ ኣብ በዓትታት ትሕቲ ምድሪ ተኸዚኑ ኣሎ

ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ድሕሪ ዝተኻየደ መጥቃዕታት፡ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ንህጹጽ እዋን ተዓቊሩ ዘሎ ነዳዲ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም።

ዋጋታት ነዳዲ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ኣሜሪካ "እኹል ቀረብ ንምርግጋጽ" ነቲ ዓቊራቶ ዘላ ነዳዲ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ፕረዚደንት ትራምፕ ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ግዝኣታት ቴክሳስን ሎውሲያናን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ናይ ጨው በዓትታት ተዓቊሩ ዘሎ ነዳዲ፡ ልዕሊ 640 ሚልዮን በርሚል እዩ።

ኩሎም ዓለምለኻዊ ትካላት ጸዓት፡ ን90 መዓልትታት ዝኸውን ነዳዲ ዝዓቑሩ እኳ እንተኾኑ እዚ ናይ ኣሜሪካ ግና ካብ ዓለም ዝዓበየ እዩ።

ምኽንያት መደኮኒኡ እንታይ እዩ?

ፖለቲከኛታት ኣሜሪካ ነዳዲ ናይ ምዕቋር ሓሳብ፡ ኣብ ፈለማ 1970ታት፡ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ሰደድ ነዳዲ እገዳ ብምግባረን ዋጋታት ነዳዲ ሰማይ ምስ ተሰቕለ እዮም ኣበጊሰምዎ።

ኢራን፡ ዒራቕ፡ ኩዌት፡ ቀጠርን፡ ስዑዲ ዓረብን ዝርከብወን ኣባላት 'ማሕበር ነዳዲ ዝሰዳ ሃገራት ዓረብ' ኣብቲ ኣብ መንጎ እስኤልን ኣዕራብን ኣብ 1973 ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣሜሪካ ንእስራኤል ብምሕጋዛ፡ ነዳዲ ናብ ኣሜሪካ ምስዳድ ከልኪለን።

Image copyright Getty Images

እቲ ንሰለስተ ሰሙናት ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይቲ ዓመት'ዩ ኣብቂዑ። እቲ ንኻልኦት ሃገራት'ውን ዕላማ ዝገበረ እገዳ ግና ክሳብ መጋቢት 1974 ብምቕጻሉ፡ ዋጋታት ነዳዲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ 3 ናብ 12 ዶላር ንበርሚል ክብ ክብል ምኽንያት ኮይኑ።

ባይቶ ኣሜሪካ ድማ ኣብ 1975 'ስትራተጅካዊ ክዙን ነዳዲ' ክህሉ ወሲኑ።

ኣብዚ እዋን እቲ ነዳዲ ኣብ ቴክሳስን ሎውስያናን ዝርከቡ ኣርባዕተ ስፍራታት ዝኽዘን ዘሎ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፎም ክሳብ ሓደ ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ካብ ጨው ዝተሰርሐ ብርክት ዝበሉ በዓትታት ኣለዎም። እዚ ኣገባብ ምኽዛን ነዳዲ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝግበር ምኽዛን ኣዝዩ ዝሓሰረን፡ ውሑስን እዩ።

እቲ ዝዓበየ ኣብ ብራያን ሞንድ ጥቓ ፍሪ ፖርት ዝርከብ መኽዘን ክሳብ 254 ሚልዮን በርሚል ክሕዝ ይኽእል። ብመሰርት እቲ 13 መስከረም ዝተዘርግሐ ሓበሬታ እታ ሃገር 644.8 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ኣብቲ በዓትታት ዓቊራ ኣላ።

ጸብጻባት ምምሕዳር ሓበሬታ ጸዓት ኣሜሪካ ከም ዘርእይዎ፡ ኣሜሪካውያን ንመዓልቲ 20.5 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ የሕልኹ፡ በዚ መሰረት እቲ ክዙን ነታ ሃገር ን 31 መዓልትታት ከካይዳ ይኽእል።

ብመሰረት እቲ ናይ 1975 ሕጊ፡ እቲ ተኸዚኑ ዘሎ ነዳዲ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንተኾይኑ ቀረብ ጸዓት ብልዑል መጠን ምስ ዝሰናኸልን ፕረዘደንት እታ ሃገር ምስ ዘፍቅድን ጥራይ እዩ።

እቲ ነዳዲ ብምልኡ ዘይተጻረየ ኮይኑ፡ ካብ መኽዘን ወጽዩ ናብ ዕዳጋ ክሳብ ዝቐርብ ክልተ ሳምንታት ክወስድ ይኽእል።

እቲ ክዙን ነዳዲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2011 ብምኽንያት ቀውዒ ዓረብ፡ ቀረብ ነዳዲ ኣብ ዝተሰናኸለሉ እዋን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ነይሩ።