ኣምነስቲ፡ ኤርትራ ን 18 ዓመታት ዝሓየረቶም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ክትፈትሕ ጻውዒት ኣቕሪቡ

(ካብ ጸጋም ንየማን) ጴጥሮስ ሰለሙን፡ መሓሙድ ሸሪፎ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ኢድሪስ ኣቡ-ዓረ
ናይ ምስሊ መግለጺ (ካብ ጸጋም ንየማን) ጴጥሮስ ሰለሙን፡ መሓሙድ ሸሪፎ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ኢድሪስ ኣቡ-ዓረ

መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ 18 ዓመታት፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ብምንቃፎም ዝተኣሰሩ 11 ፖለቲከኛታትን 17 ጋዜጠኛታትን ክፈትሕ፡ ንሰባዊ መሰላት ዝጣበቕ ዓለማዊ ትካል፡ ኣምነስቲ ኢንትርናሽናል ጸዊዑ።

እቲ ትካል፡ መበል 18 ዓመት ማእሰርቲ ናይዞም 'ናይ ሕልና እሱራት' ንምዝካር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ን 18 መዓልታት ዝጸንሕ ጎስጓስ ከምዝግበር'ውን ገሊጹ።

እቶም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምንቃፎም ኣብ 2001 ከምዝተኣሰሩ ዝገለጸ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ገሊጹ።

ካብኣቶም፡ ዋላ ሓደ'ውን እንተኾነ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሉ'ውን እቲ ትካል ኣብሪሁ።

ምክትል ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን፡ ሰይፍ ማጋንጎ "እዞም እሱራት ፍትሒ ከይረኸቡ ዳርጋ ዒስራ ዓመት ክኸውን ቀሪቡ'ሎ፡ ኤርትራ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዃና ድማ ነቲ ጉዳይ ግርምቢጥ ይገብሮ" ኢሉ።

"እዚ ክሳብ ሕጂ ዝቐጸለ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ተቓውሞታት ንምዕፋን ክሳብ ክንደይ ርሕቐት ክኸይድ ከምዝኽእል ዘርእይ እዩ። እዞም 28 እሱራትን ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ኤርትራ ዝተሓየሩ ናይ ሕልና እሱራትን፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ብህጹጽ ክፍትሑ ኣለዎም" ኢሉ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ካብ ዝእሰር'ውን ሓደ ዓመት መሊእዎ ከምዘሎ ኣምነስቲ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብትሪ ዝነቅፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዴሞክራሲያዊን ሰለማውን ቃልሲ ክገብር ዝጽውዕ መጽሓፍ ድሕሪ ምሕታሙ እዩ ብ 17 መስከረም 2018 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ፡ ኣብ ስውር ቦታ ተሓይሩ ምህላዉ እዩ ዝእመን። ኣምነስቲ ከምዝበሎ፡ ቤተሰቡ፡ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕንኡ ኮነ ሃለዋቱ ኣፍልጦ የብሎምን።

"ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎድኒ እዞም እሱራትን ቤተሰቦምን ደው ብምባል፡ ሰብመዚ ኤርትራ ብህጹጽ ከፈትሕዎም ክሓትት ኣለዎ" ኢሉ ሰይፍ ማጋንጎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት