ኤርትራ ኣብ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒና

መጥቃዕቲ Image copyright Reuters

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብ 16 መስከረም ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጽታት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብቐዳም ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ብትሪ ኮኒኑ።

እቲ "ሓደገኛ" ምዃኑ ዝገለጾ ተግባር፡ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ዘጋድድ ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣዛዚ ወትሃደራዊ ኪዳን ሓይልታት ሰሜን ኔቶ፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ወጥሪ ክጋደድ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኢራን "ነቲ ዞባ ብምልኡ ተናውጽ" ምጽንሓ ገሊጹ።

ኣሜሪካ፡ እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ዝሰዓቦ ዕንወት ዘርእይ፡ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ስእልታት፡ ብሰኑይ ዘርጊሓ እያ።

ፕረዚደንት ኢራን ሓሰን ሩሓኒ ግና እቲ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ናይ ህዝቢ የመን ምዃኑ ብምግላጽ ሃገሩ ኢድ ከም ዘይብላ ተዛሪቡ።

ምስ ኢራን ዝምድና ዘለዎም ሓይልታት ሑቲ የመን፡ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ወሲዶም ኣለው።

ኣሜሪካ ግና፡ ሑቲ ክንድዚ ዝምዕባዩ መጥቃዕቲ ብዘይ ናይ ካልኦት ሓገዝ ከካይዱ ከም ዘይክእሉ ትገልጽ።

እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ፡ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ገጢሙ ዘሎ ወትሃደራዊ ኪዳን፡ እቲ ኣጽዋር ኢራን ንዕጡቓት ሑቲ ዘቐበለቶ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ኣዛዚ ኔቶ፡ ሚስተር ሰቶልተንበርግ "ኩሎም ወገናት፡ ካብ ከምዚ ዝበሉ፡ ንምሉእ እቲ ዞባ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ካብ ዘለዎም መጥቃዕትታት ክቑጠቡ ንጽውዕ" ኢሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት